ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ምትሕብባር ጸጥታ ዘተኮረ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 16 September 2022

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ምትሕብባር ጸጥታ ዘተኮረ ስምምዕ ከምዝኸተማ ተገሊጹ።

እቲ ብሰሉስ 13 መስከረም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ኣብ ምልዋጥ ሓበሬታ፣ ኢሚግሬሽን፣ ዶብ ሰገር ገበናት፣ ጸረ ሽበራን ስልጠና ክኢላታትን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ፣ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ቱት ጋትልዋክ ማኒም፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ማሕሙድ ሰልልልሎሞን ኣጅን ዳይረክተት ውሽጣዊ ጸጥታን ድሕነትን፣ ኣተም ማሮል ቢያን ዝትወከለ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ከምዝተራኸቡ ሱዳን ትሪቡን ኣረጋጊጹ።

ርክብ ሓለፍቲ ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ምትሕብባር ዘተኮረ ስምምዕ ንምኽታም ዝዓለመ ምዃኑ እኳ እንተተጠቕሰ፣ ካልእ ተልእኾታት ክህልዎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይእምቱ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘሎ ዲጋ ተሃድሶ፣ ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ምስ ምዃኑ፣ ካብ ግብጺን ሱዳንን ክመጽእ ንዝኽእል ስግኣት ብዛዕባ ክግበር ዝኽእል ምትሕግጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩም ተንቲኖም።

ርክብ ሓለፍቲ ጸጥታን ክልትኤን ሃገራት፣ ነቲ ደቡብ ሱዳን ብጉዳይ ዶብ ንዝሰሓሓባ ዘለዋ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምሽምጋል ዘቕረበቶ እማመ ተቐባልነት ከየስእኖ እቶም ወገናት ብተወሳኺ ሻቕሎቶም ገሊጾም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0