“ኢትዮጵያን ሱዳንን ዶባተን ክምልከት የድሊ፣”  ኣባል ባይቶ ሱዳን

“ኢትዮጵያን ሱዳንን ዶባተን ክምልከት የድሊ፣” ኣባል ባይቶ ሱዳን

Radio Erena: 19 November 2015

Border of Su eth

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዶባተን ብንጹር ክምልከት ከምዘድሊ ኣባል ባይቶ ሱዳንን ኣቦ መንበር ባይቶ ሓጋጊ ኣካል ዞባ ገዳርፍን ማሕሙድ ኣል ማርዲ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ዶባት ሱዳን እናጠሓሱ ኣስታት 50 ቁሸታትን ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ መሬትን ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብዘይካ፣ዚ’ውን ዝሓለፈ ሰሙን 20 ሱዳናውያን ብዕጡቓት ኢትዮጵያ ከምዝተጨውዩ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ይሕብሩ።

 

ኣብቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዋስን ዶባት ብፍላይ ኣብ ዞባ ገዳርግፍ ብዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭትታት፣ 10ታት ሱዳናውያን ከምዝተቐሉ በብእዋኑ መንግስቲ እታ ሃገር ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ኣባል ባይቶ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭት፣ ንሓያሎ ሱዳናውያን ሓረስቶት ካብ መሬቶም ኣፈናቒሉ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ብንጹር ንኽምልከት መንግስቲ ሱዳን ንኢትዮጵያ ሕቶ ከቕርብ ጸዊዑ።

ክልትኤን ሃገራት ዶባትን ብንጹር ንምምልካት ብውሕዱ ክልተ እዋን ስምምዕ እኳ እንተኸተማ፣ ትግባሬኡ ግና ንኻልእ እዋን ክሰጋገር’ዩ ጸኒሑ።

ነቲ ናይ ዶብ ኩነታት ንምክትታል ካብ ክልትኦ መንግስታት ዝቖመት ኮሚተ፣ እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዞባ ገዳርፍ ብፍላይ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ‘ኣል ፋሽጋ’ ብንጹር ክምልከት ምስምምዕም ኣይርሳዕን።

እንተኽዕነ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ እቲ ምምልካት ክትግበር ብዘይምኽኣሉ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሰንኪ ዋንነት ናይ ሕርሻ መሬትን መጋሃጫን ይሰሓሓቡ ኣለዉ።

ብፍላይ እቶም ካብ ወገን ኢትዮጵያ መብዛሕቶም ዕጡቓትን ኣባላት ሚሊሻን ብምዃኖም፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ሓረስቶት ናይ ሞትን ሞቕሰልትን ሓደጋታት የውርዱ ምህላዎም ብተደጋጋሚ እዋን’ዩ ዝጥቐስ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0