ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ዶባትን ጸጥታን ዘተኮረ ናይ ክልተ መዓልታት ምምኽኻር ኣካይደን

Radio Erena: 18 May 2020

ብቀዳማይ ሚኒስተራት ዝተመርሐ፣ ርክብ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ካብ 15 ክሳብ 17 ግንቦት፣ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ርክብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ደመቐ መኮነንን ሚኒስተር ጉዳያት ካቢነ ሱዳን፣ ዑመር በሺር ማኒስን ተወኪሉ፣ ኣብ ጉዳያት ዶባን ጸጥታን ብምትኳር ዓሙቕ ምይይጥ ከምዘካየደ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዶባተን ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣልፋሽጋ፣ ንሓረስቶት ክልኤን ሃገራት ከናቑት ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሱዳን ከምዝኣተወ ሻቕር ኣል ኣውሰጥ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ምቅልሑ ይዝከር።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዘይካ’ቲ ኣብ ጉዳይ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ ኣልፋሽጋ ዘካየድኦ ዝርርብ፣ ኣብ ዶባተን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣጽዋርን ብዝምልከት’ውን ሓደ ካብቲ ዝዘተያሉ ጸጥታዊ ጉዳያት’ዩ።

እቲ ሓያሎ ሚኒስተራት፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ዝተሳተፍዎ “ፖለቲካዊ ምምኽኻር” ዝተሰምየ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ንዲጋ ሚለንዮም ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዛ ማይ ከተዕቝረሉ ከምእትጅምር ንዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ሱዳን ድሕሪ ምቕዋማ’ዩ።

ርክብ ላዕለዋይ ኮሚተ መንግስታት ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክቕጽል ምዃኑ’ውን ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝተፈነወ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብክልተ ሰባት ጥራይ ዝተወከለ ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ካርቱም ከምዝበጽሐ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብ17 ግንቦት ምስ ፕረዚደንት ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ልዩተናንት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብምርኻብ፣ መልእኽቲ ከምዘብጽሐ እንተዘይኮይኑ፣ ዝርዝር ትሕዝቶ ኣይተመልከተን።

ይኹን’ምበር፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዶባት ኤርትራ፣ ከባቢ ሳዋ ዓስኪሩ ዝርከብ ሚሊሻ ናይ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ፣ ብመሪሕነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንጀነራል ሓፍታር ናይ ሊብያ ዝግበር ዘሎ ደገፍን ኣብ ዝምልከት ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ምስ ኤርትራ ኣብ እተዳወብ ከተማ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤን ዓሚርን ኑባን ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣብቲ ከባቢ ወጥሪ ፈጢሩ ምህላዉ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ፋና ፕሮዳክሽን ሻባይት

COMMENTS

WORDPRESS: 0