ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ናይ ሓባር ሰራዊት ከዋፍራ ተሰማሚዐን

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ናይ ሓባር ሰራዊት ከዋፍራ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 13 March 2019

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዶባተን ናይ ሓባር ሰራዊት ከዋፍራ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ናይ ሓባር ሰራዊት ንምውፋር ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓሉ ምኽንያት፣ ብመንገዲ ዶባተን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ደቂሰብን ንምግታእ ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ።

ነቲ ስምምዕ ብወገን ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ብወገን ሱዳን ድማ ሌተናንት ጀነራል ከማል ዓብደል ማዕሩፍ’ዮም ከቲሞሞ።

ብዶባት ሱዳን ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ይውሕዝ ከምዘሎ ክትወቅስ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ሱዳን ስጉምቲ ክወስድ ክትሓትት’ያ ጸኒሓ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0