ኢስታምቡል፣ ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ ኤርትራውያን ከርተት ይብሉ ምህላዉም ተሓቢሩ

Radio Erena: 14 October 2019

ካብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ዱባይን ካልኦት ሃገራትን ብዝተፈላለየ መስርሕ ናብ ቱርኪ ዝኣትዉ ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይወድቑ ከምዘለዉ ካብ ከተማ ኢስታንቡል ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ዶባት ቱርኪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ቆሪጾም፣ ናብ ግሪኽ ድሕሪ ምእታዎም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ንምሕላፍ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያንን ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራትን፣ ኣሽሓት ዶላራት ዝኸፈሉ’ዮም።

ክሳብ’ቲ መንገዲ ዝጣጥሓሎም፣ ኤርትራውያንን ኣዕራብን ዝርከቦም ደላሎርን ኣሰጋገርቲን ደቂሰብ፣ ኣብ ናይ ክራይ ገዛውቲ መቓቒሎም ሒዞም ከምዘለው ይጥቀስ።

እንተኾነ፣ ብመንገዲ’ዞም ኣሰጋገርቲ፣ ብኣውቶቡሳትን ጃላቡን ተበጊሶም፣ ቡልጋርያን በጺሖም ተታሒዞም ዝተምልሱ ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ፣ ንዶብ ግሪክ ክትሰግር ብተደጋጋሚ እዋን ዝተታሕዘት ኤርትራዊት ንሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

ንሳ ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ዶብ ግሪ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፣ ዜጋታት ሶርያ ብእኩብን ብሓደ ድምጺን ኣይንመለስን ክብሉ ክርኣዩ እንከለዉ፣ ዜጋታት ኤርትራ ግን ብዘይዝኾነ ተቓውሞ ብፖሊስ ተታሒዞም ከምዝምለሱ ጠቂሳ።

ንቱርኪን ግሪኽን ዝፈላሊ ናይ ኣስታት 200 ኪሎሜተር ማያ ክፋል’ዩ ዘሎ።

ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ግሪኽ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሶርያ፣ ዒራቕን ካልኦት ሃገስት ኤስያን ንዝውሕዙ ስደተኛታት ንምዕጋት፣ ነዋሕቲ ሓጹራትር እኳ እንተቖመት፣ ምሉእ ብምሉእ ክትዕወተሉ ግና ኣይከኣለትን።

ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኣብ ደሴታትን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ተታሒዞም ከምዘለው’ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0