ኢራንን ምንቅስቓስ ሑቲ ናይ የመንን ዘተ ኣካዪዶም

ኢራንን ምንቅስቓስ ሑቲ ናይ የመንን ዘተ ኣካዪዶም

Radio Erena: 11 February 2018

 javad zarifኢራንን ምንቅስቓስ ሑቲ ናይ የመንን ዘተ ኣካዪዶም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ፣ ምስ ወሃብ ቃል ሑቲ፣ ትማሊ 10 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብ የመን ወሪዱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መግትኢ ክግበረሉ፣ ስዑዲ ዓረብ እተካዪዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ።

ወሃብ ቃል ኣል ሑቲ ብወገኑ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ምዕባለታቱን ብዝምልከት ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ተወጺዑ ዘሎ ህዝቢ የመን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ ኣጋጣሚ ክጣጣሕን ብስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ደብዳብ ደው ክብልን ጸዊዑ።

ኢራን ንምንቅስቓስ ኣንሳሩላህ ኣል ሑቲ፣ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ከኣ ኣብ ስደት ንዝርከብ መንግስቲ የመን እንዳደገፉ ዘካዪዱዎ ዘለዉ ናይ ውክልና ኲናት ንህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸሚሙዎ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0