ኡጋንዳ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት እሱራት ትምሕር

ኡጋንዳ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት እሱራት ትምሕር

Radio Erena: 31 December 2015

Uga Pris

ኡጋንዳ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ልዕሊ 2 ሽሕ እሱራት ምሕረት ክግበረሎም’ዮም።

ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ኡጋንዳ፣ ምሕረት ንኽግበረሎም ስም ዝርዝር ናይ 2 500 እሱራት ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቕሪቡ ከምዘሎ’ውን ማዕከን ዜና ዘ ሞኒተር ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት ቅዋም ኡጋንዳ፣ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገርን ናይ ምሕረት ኮሚተን ብዝህብዎ ምኽሪ መሰረት ፕረዚደንት እታ ሃገር ንእሱራት ምሕረት ክገብር ይኽእል’ዩ።

 

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ሃገራዊ ወይ ከኣ ሃይማኖታዊ በዓላትን፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እሱራት ምሕረት ናይ ምግባር ልምዲ ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣስታት 10 ሽሕ እሱራት ከምዘለዋ ዝገልጽዋ ኤርትራ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ይኹን ካልእ ናይ በዓላት ኣጋጣሚ እሱራት ብምሕረት ናይ ምፍታሕ ልምዲ የብላን።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0