ኡጋንዳ፣ ዕዳኣ ክትከፍል ስለዘይክኣለት፣ መዓርፎ ነፈርታ ንቻይና ኣረኪባ ዝብል ዜና ሓቅነት ከምዘይብሉ ፕረዚደንት ሙሰቬኒ ገሊጹ

Radio Erena: 06 December 2021

ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብ ኡጋንዳ ካፒታለን ከፍስሳ ባህጊ ስለዘይብለን፣ ወፍርታት ቻይና እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ሮይተስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ኡጋንዳ ምስ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ቻይና፣ ኣብ ኢንዱስትሪ ሕርሻን ዕደናን ዘተኮረ ሓያሎ ውዕላት ንምኽታም መደብ ከምዘለዋ ኣረጋጊጹ።

ሃገራት ምዕራብ፣ ብሃብቲ ዘቕቢበን፣ ናባና ዘጠምት ሸውሃት የብለንን ዝበለ ሙሴቬኒ፣ ብኣንጻሩ ቻይናውያን ብዙሕ ዕድላት ንምርካብ መዓጹና ይኹሕኩሑ ኣለዉ ክብል ኣገንዚቡ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኡጋንዳ ዕዳኣ ምኽፋል ስለዘይክኣለት፣ ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ንቻይና ኣረኪቡ እናተባህለ ክጋዋሕ ንዝቐነየ ሓበሬታ ነጺጉ።

ኡጋንዳ ቻይና እትእውዳ ዕዳ ክትከፍል’ያ። ጸገም የለን። መዓርፎ ነፈርቲ ብትሕጃ ከነረክብ ዝተሰማማዕናዮ ውዕል ግን የለን ክብል ደምዲሙ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0