ኡጋንዳ፣ ኤርትራዊ ነጋዳይ ዝቐተሉ፣ ሓደ ካፒተን ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ን50 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 18 May 2021

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ወፍሪን ንግድን ዝነጥፍ ዝነበረ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተኸሰሱ፣ ሓደ ናይ ካፒተን ማዕረግ ዘለዎ ኣባል ሰራዊት ዝርከቦም ሰለስተ ዜጋታት እታ ሃገር ን50 ዓመታት ክእሰሩ ከምዝተፈርዱ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።

ዳኒኤል ሚኪኤል ወልዱ ንዝተባህለ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብምቕታል፣ ዝነበሮ ገንዘብ ዝዘመቱ እቶም ክሱሳት፣ ጉዳዮም ክጻረ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብ17 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ ገበናኛታት ምዃኖም ብምርግጋጽ ንነዊሕ ዓመታት ክእሰሩ ፈሪድዎም።

እዞም ሰለስተ ኡጋንዳውያን፣ ነቲ ኤርትራዊ፣ ኮሎሎ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ካምፓላ ጨውዮም ብምውሳድ፣ ሰለስተ ጠያይቲ ኣብ ኣፍልቡ ቶኪሶም ድሕሪ ምቕታሎም፣ ልዕሊ 55 ሽሕ ዶላር ዝተገምተ ገንዘቡ ዘሚቶም፣ ኣብ ዶብ ኬንያ ንሬሳኡ ኣቓጺሎሞ ከምዝተመልሱ’ዩ ኣብቲ ክሲ ቀሪቡ።

ኣቐዲሙ ብዝነበረ መቕጽዒ ገበናዊ ሕጊ ‘ታ ሃገር፣ እዞም ብቀዳማይ ደረጃ ቅትለትን ዝምታን ዝተኸሰሱ ገበነኛታት፣ ንሞት ክፍረዱ ይግብኦም እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መቕጻዕቲ ስለዝተረፈ ግን፣ ነቲ ብይን ዝሃበት ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ኣንጀሊን ፍላቭያ ሰኖጋ፣ ዝልዓለ ናይ ማእሰርቲ ብይን ከምዝሃበት ማዕከናት ዜና ኡጋንዳ ጸብጺበን።

ምስቲ ኣባል ሰራዊት ኡጋንዳ ብምትሕብባር ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ክልተ ኡጋንዳውያን፣ እቲ ሓደ ምሁር ሕጊን ጠበቓን ኮይኑ ወዲ 33 ዓመት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ሞያኡ ዘይተጠቕሰ ወዲ 28 ዓመት’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0