ኖርወይ፣ ደቂንስትዮ ክነብርኣ ዝመችአት ሃገር ተባሂላ

Radio Erena: 01 November 2019

 

ኖርወይ፣ ደቂንስትዮ ክነብርኣ ቀዳመይቲ ሃገር ተባሂላ።

ኣብ ጉዳይ ድሕነት፣ መሰልን ዋንነት ሕሳብ ባንክን ደቂንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 167 ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ ንነርወይ ስዒባ፣ ስዊዘርላንድ ንደቂንስትዮ ዝመችአት ሃገር ክትከውን እንከላ፣ ሃገራት ስካንዲኒቭያ ዝዓብለልአን 10 ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ተመዲበን።

ብኣንጻር እዚ፣ ፓኪስትን፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ የመን፣ ሽዑዲ ዓረብን የመንን ዝርከብኣን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ይርከባ።

ደቡብ ሱዳን፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፊቃን፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ማሊን’ውን ኣብ ኣፍሪቃ እተን ንደቂንስትዮ ዘይምችኣ ሃገራት ተባሂለን ቀዳሚ ቦታ ዝሓዛ’የን።

እዚ ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታውን ዝተዳለወ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ ኣብ ዓለም 2.7 ቢልዮን ደቂንስትዮ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ተመሳሳሊ ስርሓት ምስ ደቂ ተባዕትዮ ከይዋፈራ ይኽልከላ።

ኣስታት ፍርቂ ናይቲ 7 ቢልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ደቂንስትዮ ምዃነን መጽናዕታት ይሕብሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0