ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ፓኪስትና ናብ ናይጀርያ ዝተላእከ ኣጽዋር ብክሊ ኣየሩ ከይሓልፍ ከልኪሉ

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ካብ ፓኪስትና ናብ ናይጀርያ ዝተላእከ ኣጽዋር ብክሊ ኣየሩ ከይሓልፍ ከልኪሉ

Radio Erena: 30 December 2014

Army Cargo

ንስግነት ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ፓኪስታን ተሸሚቱ ናብ ናይጀርያ ዝዓለመ ኣጽዋር ዝጸዓነት ነፋሪት ብክሊ ኣየሩ ከይትሓልፍ ከልኪሉ።

እታ ታንክታትን ሓያሎ ተተኮስትን ዝጸዓነት ዓባይ ናይ ካርጎ ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ሱዳን ክትሓልፍ ፍቃድ እኳ እንተረከበት፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ግና ብዘይተገልጸ ምኽንያት ከልኩሉዋ ምህላው ማዕከናት ዜና ናይጀርያ ሓቢረን።

ብሰንዚ’ዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ውሳነ፣ ናብ ናይጀርያ ክኣቱ ዝነበሩ ኣጽዋር ተደናጉዩ ከምዘሎ ዘረጋገጸ መንግስቲ ናይጀርያ፣ ብሰንኩ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሽበራውይን ጉጅለታት ቦኮ ሓራም ዝጀመሮ ወትሃደራዊ ስርሒታት ከምቲ ንኸይግስግስ ዕንቕፋት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

 

መንግስቲ ናይጀርያ ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ዝሓበሩ ወትሃደራዊ ምንጭታት እታ ሃገር ከኣ፣ ክዕወት እንተዘይክኢሉ፣ እቲ ካብ ፓኪስታን ዝተሸመተ ኣጽዋር ብመርከብ ከምጽእ ምዃኑ ኣረዲኦም።

እንተኾነ፣ እቲ ብመርከብ ዝመጽእ ኣጽዋር ግዜ ስለዝወስድ፣ ኣንጻር ቦኮ ሓራም ዝካይድ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት መሰናኽል ክገጥሞ ከምዝኽእል መንግስቲ ናይጀርያ የጠንቕቕ።

ናይጀርያ፣ ካብ ኣመሪካን ፈረንሳን እትሽምቶ ዝነበረ ኣጽዋር ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ፓኪስታን ቀይራቶ ምህላዋ ዝጠቀሱ ተንተንቲ ከኣ፣ ስዑዲ ዓረብ እቲ ኣጽዋር ብክሊ ኣየር ከይሓልፍ ምኽልካላ’ውን ምስዚ ዝተኣሳሰረ ከምዝኸውን ይእንፍቱ።

መንግስቲ ናይጀርያ ኣንጻር ቦኮ ሓራም ዘካይዱ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ስዑዲ ዓረብ ንምቅዋም ነቲ ኣጽዋር ብክሊ ኣየራ ከይሓልፍ ከምዝኸልከለት’ውን ይትንተን’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ውሳኔኣ እንተጸኒዓ፣ ምስ ናይጀርያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ከምእትኣቱ’ውን ኣመልኪቶም።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0