‘ንጀነራል ኣልቡርሃን ብህወይቱ ከይሓዝኩ ወይ ከቀተልኩ ኵናት ደው ኣይብልን’ዩ።’ ጀነራል ሐሚቲ

Radio Erena: 08 May 2023

መባእታዊ ዘተ ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኵናት ይቕጽል ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ዘተ፣ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፣ ብቀዳም 06 ግንቦት፣ ኣብ ከተማ ጂዳ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ብሰንበትን ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲን ኵናት ከምዝቐጸለ ዝሓበረ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ክልቲኦም ወገናት ቶዅሲ ደው ናይ ምባል ድሌት ከምዘይብሎም ኣንፊቱ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፣ ንሰብኣዊ ረድኤት ውሑስ መተሓላለፊ ንምኽፋት ደኣ’ምበር ናብ ስምምዕ ሰላም ንምባጽሕ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ- ሐሚቲ፣ ንመጻርርቱ ጀነራል ኣልቡርሃን ብህይወት ከይሓዘ ወይ ከይቀተለ ኵናት ደው ከምዘይብል ምግላጹ ሮይተርስ ብ07 ግንቦት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ኵናት ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ዜጋታት እታ ሃገር ውሑስ መውጽኢ ንምርካብ፣ ብብዝሒ ናብ ፖርትሱዳን ይሃድሙ ኣለዉ።

እቲ ኵናት ሳልሳይ ሰሙን ኣብ ዘቝጸረሉ፣ ልዕሊ 400 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0