ንዚምባብዌ ን37 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብመብል 95 ዓመት ዕድሚኡ ሞይቱ

Radio Erena: 06 September 2019

ንዚምባብዌ ን37 ዓመታት ዝምርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ መበል 95 ዓመቱ ሞይቱ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ነታ ሃገር ብህይወት ክሳብ ዘሎ ናይ ምምራሕ መደብ እኳ እንተነበሮ፣ ኣብ 2017 ብዝተኻየደሉ ውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ግና ክእለ ክኢሉ።

ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ድማ ናብ ሲንጋፖር እናተመላለሰ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፣  ብ6 መስከረም ከምዝሞተ ይግለጽ ኣሎ።

ሓደ እዋን ተቓላሳይ ሓርነት ዝነበረ ሮበርት ሙጋበ፣ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ናብ ሕሉፍ ምልኪ ተሰጋጊሩ፣ ንዚምባብዌ ናብ ድኽነትን ድሕረትን ከምዝመለሳ መዛግብቲ ታሪኽ እታ ሃገር የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0