ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሽዱሽተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ

ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሽዱሽተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ

Radio Erena: 31 December 2018

Red Wave 1

ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስንን ሽዱሽተ ሃገራት፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ።

ብስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝቖመ ሓድሽ ምትእኽኻብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣባላት ዝኾና ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ የመን፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ስዑዲ ዓረብን፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዘካየድኦ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ’የን ነዚ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዘካይዳ ዘለዋ።

ኣባል እዚ ምትእኽኻብ ዝኾነት ሶማልያ’ውን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ስለእትርከብ፣ ኣብዚ ልምምድ ተጸኒቢራ ምህላዋ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ ይጠቕስ።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ልምምድ ክንደይ ዝኣክል ሰራዊት ይሳተፍ ከምዘሎን ዝዓጠቖ ኣጽዋርን ኣይተሓበረን።

እቲ ካብ ትማሊ 30 ታሕሳስ ጀሚሩ ክሳብ 3 ጥሪ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ ዘሎ፣ “ቀይሕ ማዕበል 1” ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ተሞክሮ ኣብ ምልውዋጥን ውሕስነት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ስዑዲ ዓረብ ሜጀር ጀነራል ሳቒር ኣልሓርቢ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታን ፖለቲካዊ ምምኽካርን ብሓባር ከስርሐን ዝኽእል ምትእኽካብ ንምምስራት ዝዓለመ ፈላሚ ዘተ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት፣- ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ የመን፣ ግብጺ፣ ሶማልን ዮርዳኖስን፣ ኣብ 12 ታሕሳስ ኣብ ሪያድ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነወሐ ገማግም ባሕሪ ካብ ዝውንና ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ፣ መሻርኽቲ ስዑዲን ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ውግእ የመን ክነሳ፣ ካብዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ሓድሽ ምትእኽኻብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ሕቡራት ኢማራት ብምዃን ኣብ የመን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣- ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡቲን ደገፍ ይገብራላ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0