ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ፣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ባሕረኛታት ጃልባ መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 23 May 2022

ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ፣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ባሕረኛታት ጃልባ ወይ ‘sailboat’ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ፣ ንሰበ ስልጣን በዓል መዚ ማሪታይም ብሪጣንያ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እታ ናይ ሆንጎ ኮንጎ ባንዴራ እናንበልበለት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ወደብ ጂቡቲ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ነቲ ንኤርትራን የመን ዘዋስን ክሊ ማይ፣ ደሴታት ሓኒሽ ሓሊፋ፣ ኣብ ክሊ ማያት ወደብ ሖደይዳ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመላ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብታ ኣስታት 19 ሚትሮ ዝንውሓታ፣ ላኮታ ዝዓይነታ ጃልባ ዝነበሩ ባሕረኛታት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዝረነረ፣ መርከብ ክግዕዙ ከምዝኽኣሉ’ዩ ተሓቢሩ።

እታ ጃልባ፣ ዋንነታን ብዝሂ ጽዒናቶም ዝነበረት ባሕረኛታትን ከምኡ ድማ ዒላማ ጉዕዞኣን ኣይተሓበረን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸም ኣካል’ውን ገና ኣይተነጸረን።

እታ ጃልበ፣ ብሰለስተ ንኣሽቱ ፈጣናት ብዝመጹ ዕጡቓት ከምዝተሃጅመት ዝገለጹ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣማኻርቲ ጸጥታ ባሕሪ ብወገኖም፣ ንተጓዓዝታ ብምጭዋይ፣ ገንዘብ ንምሕታት ከምዝሃቐኑ ኣሚቶም።

ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ፣ ውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋጽ ብዝብል፣ ብልፍንቲ ሓያሎ ሃገራት ዝቖመ ሓይሊ ዕማም፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ከተዋፍር ምዃና ኣቐዲማ ኣፍሊጣ’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0