ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ተዛዚሙ

Radio Erena: 12 January 2017

Ethio Dj

ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ።

እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ክህነጽ ዝጸንሐ ንከተማ ኣዲስ ኣበባን ወደብ ጅቡትን ዘራኽብ 752 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር፣ ካብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ’ዚ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያን ጽዕነት ካርጎን ኣገልግሎት ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ 4.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝወደአ ዝንገረሉ ዘሎ፣ ዘመናዊ ናይ ኤልክትሪክ መንገዲ ባቡር፣ ብ10 ጥሪ ኣብ ጅቡቲ መዓርፎ ባቡር- ነገድ ብወግዒ ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ጅቡቲን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበ ስልጣናት ክልትኤን ሃገራት ተረኺቦም።

 160 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ንህዝባዊ መጓዓዝያ ንካርጎ ድማ 120 ኣብ ሰዓት፣ ባቡር ናይ ምሕንባብ ዓቕሚ ዘለዎ ሓዲድ፣ ነቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሳልስቲ ጉዕዞ ናብ 12 ሰዓታት ጥራይ ከውርዶ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ናይ ከተማ ባቡር ወይ ትራም፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣገልግሎት ከምዘውዓለት ይዝከር።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0