ንስዊዘርላንድ ብምውካል ኣብ ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶም ዝተቐዳደመ ኤርትራዊ፣ ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ

ንስዊዘርላንድ ብምውካል ኣብ ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶም ዝተቐዳደመ ኤርትራዊ፣ ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ

Radio Erena: 12 July 2016

Abrhama Tadesse

ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ታደሰ ኣብርሃም፣ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ንስዊዘርላንድ ብምውካል ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ።

እቲ ናብ ስዊዘርላንድ ቅድሚ 13 ዓመታት ከምዝኣተወ ዝተሓበረ ታደሰ ኣብርሃም፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝተኻየደ ቅድድም፣ ፈለማ መንገዲ ስሒቱ እኳ እንተነበረ፣ ጸኒሑ ብምስትኽኻል’ዩ ቀዳማይ ብምዃን ክዕወት ክኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ኣምስተርዳም ካብ 06 ክሳብ 10 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትለቲክስ  ኤውሮጳ 2016 ምዕራፍ ባህታ ዝተባህለት ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን ንሽወደን ብምውካል ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ተወዳዲራ።

 

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0