ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እትንጸባርቕ ደኩመንትሪ ፊልም ‘ባርባራዊ ጉዕዞ’ ኣብ ፈረንሳ ዝዓበየ ሽልማት ተዓዊታ

ንስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ እትንጸባርቕ ደኩመንትሪ ፊልም ‘ባርባራዊ ጉዕዞ’ ኣብ ፈረንሳ ዝዓበየ ሽልማት ተዓዊታ

Radio Erena: 08 June 2015

Voyagprix

ንስቃይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይ እተንጸባርቕ ‘ባርባራዊ ጉዕዞ’ ዘርእስታ ደኩመንታሪ ፊልም ዘዳለዋ ክልተ ጋዜጠኛታት፣ ኣብ ፈረንሳ ፍሉይ መደብ ንዘቕረቡ ጋዜጠኛታት ዝወሃብ ዝዓበየ ሽልማት- ኣልበርት ሎንድር ናይ 2015 ተዓዊተን።

ሰሲል ኣለግራን ደልፊን ዶለጀን ዝተባህለ ክልተ ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት፣ ኣብ 2014 ዘዳለዋኣ ንስቓይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እተንጸባርቕ ብቋንቋ ፈረንሳ ‘Voyage en barbarie’ ማለት ባርባራዊ ጉዕዞ ዘርእስቱ ደኩመንታሪ ፊልም ምድላወን፣ ኣብ ፈረንሳን ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝዝረበሉ ክፍሊ ዓለም ፍራንኮፎንን፣ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራን ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ስደት መከራን ከተጉልሕ ምኽኣላ’ውን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ኣፍሊጠን።

 

እተን ጋዜጠኛታት፣ ነቲ ኣብ ፈለማ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ፍጻሜ ክቕበሎ ዘይክኣለ ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ፣ ብኣካል ናብቲ ቦታ ተጓዓዚን ዶኩመንታሪ ፊልም ከዳልዋ ምኽኣለን፣ ኣብ 2015 ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝቐረብ ኣሽሓት ደኩምንታሪ ፊልምታት፣ ብፍሉይነቱን ዘመሓላልፎ መልእኽትን ብጸብለልታ ክዕወት ምኽኣለን’ውን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ናይ ሽልማት ምዕዳል ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ባርባራዊ ጉዕዞ፣ ብ16 ጥቕምቲ ኣብ ፓሪስ ብውግዒ ተመሪቓ ንምርኢት ኣብ ዝቀረበትሉ እዋን፣ ድሕሪ’ቲ ምርኢት ኣብ ዝነበረ ዘተ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ኣብ ዘስምዓቶ ናይ ተቓውሞ ቃል፣ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ግዱድ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣይኮነን ክትብል ሞጊታ’ያ።

እንተኾነ፣ ነታ ዘስካህክሕ ስቓይ ኤርትራውያን ዝተንጸባረቐላ ደኩመንትሪ ፊልም ዝተዓዘቡ ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ንርእቶ እታ ኣምባሳደር ከምዝነጽግዎ’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ብሬድዮ ኤረና ከምዝተቓለሐ ኣይርሳዕን።

እታ ደኩመንታሪ ፊልም፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሲነማ ብወግዒ ድሕሪ ምምራቓ፣ ብባይቶ ፈረንሳ ብእትወነን ቴሌቪዥን ፑብሊክ ሰና ብተደጋጋሚ እዋን ንምርኢት ቀሪባ’ያ።

ብዘይካ’ዚን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፈረንሳ ንምርኢት ናብ ህዝቢ ቀሪባ፣ ስቓይ ኤርትራውያንን ከተጉልሕ ክኢላ’ያ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኤርትራውያንን ጠንቒ ስደቶምን ብቀጻሊ ካብ ዝዛረባሉ ዘለዋ ኣርእስታ ኮይኑ ኣሎ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባርት ተሌቪዥን ፈረንሳ ኣርተ’ውን ብተመሳሳሊ ንስቃይ ኤርትራውያን ዘጉልሕ፣ ድምጺ ስቅያት (Sound of Torture) ዘርእስታ ደኩምንታሪ ፊልም ምቕራቡ ኣምባሳደር ሃና ብ14 ጥቅምቲ 2014 ናብ ሓላፊት ናይታ መደበር ቴሌቪዥን ቬሮኒክ ካይላ ናይ ነቐፌታ ደብዳ ምልኣኻ ኣይርሳዕን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0