ንምምላእ ማይ፣ ዲጋ ተሓድሶ ብዝምልከት ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብጽን ይቕጽል

Radio Erena: 01 November 2020

ethio damመንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ግብጽን፣ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘተ፣ ናብ ተመሳሳሊ ዕጹው ማዕጾ የብጽሕ ኣሎ ክብል ከቕርቦ ድሕሪ ዝጸንሐ ክሲ፣ እቲ ዘተ ብሓድሽ ኣቀራርባ ክጅምር ጸዊዑ።
ወግዓዊ ልሳን’ቲ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ብማእከልነት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፖዛ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዝርዝራዊ ነጥብታት ዘጠቓለለ ሓድሽ እማመ ክቐርብ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣመልኪቱ።
ንምምላእ ማይ ዲጋ ተሓድሶ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ኣብ ዕጹው ማዕጾ’ዩ በጺሑ ኔሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ‘ግብጺ ነቲ ዲጋ ከተዕንዎ ትኽእል’ያ’ ድሕሪ ምባሉ፣ እቲ ወጥሪ ካልእ ኣንፈት ከይሕዝ ተሰጊኡ እዩ ጸኒሑ።
እንተኾነ እዚ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝካየድ ዘተ ክቕጽል ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ፣ ሓድሽ ተስፋ ይረኣይ ከምዘሎ’ዩ ብዲፕሎማሰኛታት ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0