ንሕማም ዓሶ ብዝምልከት ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተኸፊቱ

ብሕማም ዓሶ ዝስዕብ መጠነ ሞት ናብ ዜሮ ንምውራዱ ዝዕላምኡ፣ ዞባዊ ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ኣሩሻ ይካየድ ኣሎ።
ኣብዚ ዋዕላ ኤርትራ እትርከበን ብውሕዱ 13 ሃገራት፣ ሕማም ዓሶ ንምቁጽጻር ዘካይድኦ ዘላዋ ጻዕሪ ተሞክሮታተን ከቕርባ ትጽቢት ይግበር።
መብዛሕተን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ የጉድልኦ እኳ እንተለዋ፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ግና ዓሶ ሓደ ካብ ጠንቕታት ብዝሒ ሞት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ጠንቒ ሞት ኵናት ኮይኑ፣ ንኵናት ስዒቡ ድማ ሕማማት ዓሶ፣ ዓባይ ሰዓልን ኤች ኣይቪ-ኤድስን ብኣውራ ካብ ዝጥቀሱ’ዮም።
ኤርትራ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብምትሕብባር ኣብ መዳይ ጥዕና እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ሕማም ዓሶን ምስፍሕፋሕ ኤች-ኣይቪ ኤድስን ብመጠኑ ከምዝጎደለ ዝግለጽ እኳ እንተኮነ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ብፍላይ ብዝሒ መጠን ምስ ኤች ኣይቪ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ብምስጢር ከምዝሕዞ ይሕበር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0