ናይ ምሽማት ዓቕሚ ባጤራ ናቕፋ ካብ ዝነበሮ ብዝበኣሰ እናተዳኸመ መጺኡ

ናይ ምሽማት ዓቕሚ ባጤራ ናቕፋ ካብ ዝነበሮ ብዝበኣሰ እናተዳኸመ መጺኡ

Radio Erena : 24 September 2014

Nakfa

ናይ ምሽማት ዓቕሚ ባጤራ ናቕፋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ዋጋታት ስጋን ካልእ መሰረታዊ መግብታትን ብዕጽፍታት ይንህር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዋጋ ሓደ ኪሎ ስጋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 250 ናቕፋ ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣስታት 320 ናቕፋ ተጸጋጊዑ ኣሎ።

ከም ባኒን እንቋቑሖን ዝኣመሰለ መግብታት ከኣ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋታቱ ብ200 ካብ ሚእቲ ንሂሩ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓባሬታ የመልክት።

 

ሳላ ዝነበረ ጽቡቕ ክራማት፣ ዋጋታት ኣሕምልቲ ብመጠኑ ጎዲሉ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕዳጋ ርጉእ ብዘይምዃኑ፣ መሊሱ ክንህር ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት፣ ወሰኽ ደሞዝ ይኹን ዕዳጋ ንምርግጋእ ዝወሰዶ ወሳኒ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ብዘይምህላዉ፣ ህዝቢ እቶቱ ወጻኢታቱን ክመዓራረ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

ማእከላይ እቶት ናይቲ ዝበዝሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ 700 ናቕፋ ኮይኑ፣ ብመንጽር ዕዳጋ ክርአ እንከሎ፣ ንወርሒ ክልተ ኪሎ ስጋ ማለት’ዩ።

ናቕፋ፣ ብሰንኪ ዝቕባበን ዘለዎ መጠን ሸርፊ ብመንጽር ናይ ወጻኢ ባጤራን፣ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ብዝልዓለ ዓቐን ካብ ዝተዳኸመ ባጤራታት ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት’ዩ ዝስራዕ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0