ናይጀርያ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

ናይጀርያ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

Radio Erena: 02 April 2015

preNI

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ።

ኣብ 1983 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ንዓመትን መንፈቕን ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ጀነራል ሙሓማዱ ቡሃሪ፣ ኣብዚ ሓድሽ ናይ ደሞክራስዊ ምርጫ መድረኽ ብምስታፍ’ዩ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ጉድሉክ ዮናታን ብምስዓር ክዕወት ክኢሉ።

እቲ 72 ዓመት ዝዕድሚኡ ሙሓማዱ ቡሃሪ፣ ነታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ናይጀርያ ንምምራሕ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቃል መሓላ ክፍጽም’ዩ።

 

ኣብ ምርጫ ዝተሳዕረ ፕረዚደንት ጉድላክ ዮናታን ድማ፣ ከም መብጽዕኡ ስልጣኑ ነቲ ብህዝቢ ተመሪጹ ዘሎ ሓድሽ መራሒ ከረክብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይጀርያ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ምስቲ እታ ሃገር ዘላቱ እዋናዊ ኩነታት ‘ቦኮ ሓራም’ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ክፈጥር ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት ክወሃቦ እኳ እንተጸንሐ፣ በንጻሩ ብዓወት ሓድሽ መራሒ ብሰላም ክዛዘም ክኢሉ ኣሎ።

ከድምጽ ካብ ዝተመዝገበ ህዝቢ ናይጀርያ፣ እቲ 15.4 ሚልዮን ንሙሓማዱ ቡሃሪ ክመርጽ እንከሎ፣ እቲ 13.3 ሚልዮን ከኣ ንፕረዚደንት ጉድላክ ዮናታን’ዩ መሪጹ።

ናጻ ብዝኾነ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ድሕሪ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምእካብን ምቁጻርን መስርሕ ድማ ቡሃሪ ብ2.1 ሚልዮን ዝያዳ ድምጺ ተዓዋቲ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ ሙሓማዱ ቡሃሪ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ እቲ ዝከበደ ብድሆ ክኸውን’ዩ እናተባህለ ዝዝረበሉ ዘሎ፣ እቲ ድሮ ንናይጀርያ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ሸሙሙዋ ዘሎ ጉዳይ ቦኮ ሓራም ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ርእሲኡ’ውን እዛ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ናይጀርያ፣ ቁጠባኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዓቢ ከምዘሎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ቦኺሩ ዘሎ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሕን ምዕሩይ ዝርግሐ ጸጋታትን ካብ ዓበይቲ ብድሆታት እዚ ሓድሽ መራሒ’ዩ።

ብወትሃደራዊ ዕልዋታትን መለኽቲ መራሕትን ሕሉፍ ስም ዝጸንሐ ናይጀርያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ካብ ዝርኣየለን ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ ንምዃን በቂዓ ኣላ።

==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0