ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ፣ ኣብ ካልኣይ መድረክ ቀዳማይ ተዓዊቱ

Radio Erena: 06 June 2022

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮ ቲም Drone Hopper – Androni Giocattoli ናትናኤል ተስፋጽዮን ሎሚ ሰንበት 5 ሰነ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተሰላሰለ ካልኣይ መድረኽ ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ቀዳማይ ብምውጻእ ጋማ ዓወት ኣሲሩ።

ናቱ ኣብ’ዚ ሎሚ 174.6 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ካብ ካስቴልፍራንኮ ቬኔቶ ናብ ሞንተ ግራፓ ዝተጓዓዘ መድረኽ ዝተዓወተ ምስኡ ኣብ መዛዘሚ ንዝበጽሑ ካልኦት 4 ተቐዳደምቲ ብሽኳ ብምስዓር እዩ።

ወዲ 23 ዓመት ናትናኤል ብሓሙስ 2 ሰነ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተገብረ መበል 83 ውድድር ክላሲክ ጂሮ ዴል ኣፔኒኖ’ውን ካልኣይ ብምውጻእ ደሚቑ እዩ።

ንራብዓይ እዋን ዝካየድ ዘሎ 2.1 መዐየሪ ደረጃ ዘለዎ ዙር ኣድርያቲካ ኣዮኒካ፡ ጽባሕ ሰኑይ ብዝካየድ ናይ 141.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለዎ ውድድር ሳልሳይ መድረኽ ከሳልጥ እዩ።

ዙር ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ሎሚ ዓመት 5 መድረኻት እዩ ከቓንዕ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0