ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ 64 ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም

ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ 64 ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም

Radio Erena: 24 October, 2014

Ref Red sea

ናብ የመን ንምስጋር ዝፈተኑ 64 ስደተኛታት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ኣፈኛ እቲ ኮሚሽን ዊልያም ሲንድለር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ስደተኛታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓምት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋታት እቲ ዝኸበደ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ ሶማልን ሱዳንን ኣብ ሶማል ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ብመንገዲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ወነንቲ ጃላቡን ካብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ተበጊሶም ናብ የመን ንምእታው ከምዝሕልኑ ብምምልካት፣ ናይ መብዛሕቶም ዕላማ ጉዕዞምኦ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝኾኑ ልዕሊ 240 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው’ዩ ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጥራይ 12, 768 ስደተኛታት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ የመን ከምዝኣተዉ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0