ናብ ወጻኢ ስርናይ ክትሸጥ ምዃና እትገልጽ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዩክሬይን 25 ሽሕ ቶን ስርናይ ረድኤት ተዋሂባ

Radio Erena: 05 December 2022

ዩክሬይን ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ረዲኤት ክትህብ ብዝኣተወቶ መብጻዓ መሰረት፣ ናብ ኢትዮጵይ ዝቐንዐ 25 ሽሕ ቶን ስርናይ ዝጸዓነት መርከብ ናብ ጂቡቲ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዩክሬይን፣ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፣ እታ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ረዲኤት ጽዒና፣ ብ03 ታሕሳስ ናብ ጂቡቲ፣ ወደብ ዶራለ ዝኣተወት መርከብ፣ ብስእሊ ኣሰንዩ፣ ‘መግቢ ንልእኽ፣ ተስፋ ንልኢኽ’ ዝብል መልእኽቲ ብመንገዲ ትዊተር ኣመሓላሊፉ።

ምስ ሩስያ ኣብ ከቢድ ኵናት እትርከብ ዩክሬይን፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ንዘሎ ደርቂ ዝውዕል ናይ 150 ሚሎዮን ዶላር ዝግመት ረዲኤት ክትህብ መብጽዓ ከምዝኣተወተ ዝሓለፈ ቅንያት ተገሊጹ’ዩ።

እቲ ኣስታት 125 ሽሕ ቶን ዝግመት ረዲኤት፣- ናብ ኢትይጵያ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ኬንያን ናይጀርያን ካልኦት ሃገራትን ዝቐንዐ’ዩ።

ኣስታት 21 ሚልዮን ካብ ህዝባ ተጸባዩ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ዘረጋገጸት ኢትዮጵያ፣ ካብተን ኣውራ ብዩክሬይን ስርናይ ዝሕገዛ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ።

ብኣንጻር እዚ፣ ኢትዮጵያ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ስርናይ ክትልእኽ ዘኽእል ናይ ሕርሻ ምህርቲ ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፣ ኣብይ ኣሕመድ ይገልጽ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0