ናብ ኤርትራን ኢራንን ወትሃደራዊ ንዋት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምሻጡ ዝተኸሰሰ ስዊዘርላንዳዊ ነጋዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ናብ ኤርትራን ኢራንን ወትሃደራዊ ንዋት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምሻጡ ዝተኸሰሰ ስዊዘርላንዳዊ ነጋዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 05 November 2014

Snipers

ናብ ኤርትራን ኢራንን ወትሃደራዊ ንዋት ኣብ ምሻጥ ክነጥፍ ከምዝጸንሐ ዝተኸሰ ስዊዘርላንዳዊ ነጋዳይ ኣብ በሊንዞን ኣብ ዝርከብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከምዝቐረበ ትሪቡን ደ ጀነቭ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ናይ ትማሊ 4 ሕዳር ጸብጻቡ ገሊጹ።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ስዊዘርላንዳዊ ነጋዳይ ኣቀዲሙ ኣብ 2006 ናብ ኤርትራ ልዕሊ 12 ሽሕ ተተኳሲ ከምዝሸጠ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዝሸጦ ጠያይቲ ናብ ሃድን ዝዓለም’ዩ ዝብል ምኽንያት ከምዝሃበሉ’ውን ኣስፊሩ ኣሎ።

 

እንተኾነ በዚ ጉዳይ’ዚ ከይተኸሰሰ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ 2007 ኣትሒዙ ከም እንደገና ናብ ኢራን ዝሸጦ ስርሓት ጀርመን ዝኾነ መነጻጸሪ ዘለዎ ጠበናጁን ወትሃደራዊ ቢኒኮለታት ኣብ ኣፍጋኒኡስታን ድሕሪ ምርካቡ’ዩ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ተጠርጢሩ።

ኣብ መጋቢት 2010 ኣብ ሮማን ሚላኖን ኣብ ዝርከብ ንግዳዊ ትካላቱ ድሕሪ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ፈተሻ ከኣ ተመሳሳሊ ወትሃደራዊ ንዋት ከምዝጸንሖ ዘመልከተ ጸብጻብ ትሪቡን ደ ጀነቭ፣ ካብቲ እዋን’ቲ ንደሓር ከኣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምሻጥን ኣጽዋር ከምዝተኸሰሰ ኣረዲኡ።

ምስቲ ሲዘርላናዳዊ ነጋዳይ ምትሕብባር ከምዝነበሮም ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ኢጣልያውያን፣ ክልተ ኢራናውያንን ሓደ ስዊዘርላንዳውን’ውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ተኸሲሶም ኣለዉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0