‘ናብ ትግራይ ዝተላእከ ረዲኤት ካብ መኻዚኖታት ተሰሪቑ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ኣሎ።’

Radio Erena: 05 May 2023

ናብ ትግራይ፣ ዝተላእከ ረድኤት፣ ካብ መኻዚኖታት ተሰሪቑ፣ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ኣሎ ክትብል ኣመሪካ ወቒሳ።

ዳይረክተር ናይቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝውነን ትካል ረዲኤት USAID፣ ሳምንታ ፓወር፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ከቢድ ውሳኔ እኳ እንተኾነ፣ ናብ ትግራይ ረዲኤት ምልኣኽ ንግዜኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ኣስታት 2 ዓመታት ኵናት፣ ናብ ዓጸቦ ዝቐራረብ ስእነት መግቢ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ትካል፣ ናብ ህዝቢ ዝተላእከ ረዲኤት ናብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ምህላዉ ዘሕዝን ‘ዩ ክብል ኣማሪሩ።

እቲ ኩነታት ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሉ፣ ኣመሪካ ናብ ትግራይ እትልእኮ ናይ መግቢ ረዲኤት ንግዜኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ መግለጺ ናይታ ዳይረክተር ኣስሚርሉ።

እቲ ኣመሪካዊ ትካል፣ ነቲ ምጽራይ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፣ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምትሕብባር ክገብርሉ ምዃኖም ቃል ከምዝኣተዉሉ ኣገንዚቡ።

ኣብ ትግራይ፣ ንረዲኤት ካብ ዝተላእከ ረዲኤት፣ ኣስታት 100 ሽሕ ኵንታል ዝግመት ኣእካል፣ ካብ መኻዚኖታት ተሰሪቑ፣ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ከምዘሎ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ይኹን ቅድሚኡ ዝንበረ፣ ንህዝቢ ዝተላእከ ረዲኤት ከምዘይሰረቐ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ስርቂን መሸጣን ንምጽራይ እቲ ክልል ናይ በይኑ ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0