ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካብ ዝከላበቱ ዘለዉ ስደተኛታት ሓደ ኣብ ገለርያ ሞይቱ

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካብ ዝከላበቱ ዘለዉ ስደተኛታት ሓደ ኣብ ገለርያ ሞይቱ

Radio Erena: 31 July 2015

Eurotunnel

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ጸላም ተጎልቢቦም ካብ ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዘካየድዎ ዝነበሩ ፈተነታት ሓደ ካብኣቶም ሞይቱ።

እቲ ሱዳናዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ስደተኛ፣ ምስ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ሱዳናውያንን ኢትዮጵውያንን ብሓባር ናብ ብሪጣን ንምስጋር ናብ ገለርያታት ድሕሪ ምእታዎም ከምዝሞተ’ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።

ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ኣብ ካሌ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ክልተ ኤርትራውያን ሓደ ሱዳናውን ብድምር ሰለስተ በጺሖም ኣለዉ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ወደብ ካሌ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ብሪጣን ንምስጋር ምስ ፖሊስ ይጓየዩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ይሕብራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፣ ነቶም ናብ ገለርያ ንምስላዅ ዝጓየዩ ዝነበሩ ስደተኛታት ‘ ዕስለ’ ክብል ምግላጹ’ውን ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተባሂሉ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተነቒፉ።

ንፈረንሳን ብሪጣንያን ዘራኽብ ገለርያ ‘ኤሮታነል’ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ናይ መጓዓዝያ መሰናኽል የጋጥሞ ከምዘሎን፣ ነቲ ገለርያ ዘማሓድር ትካል ተወሳኺ ናይ ውሕስነት ስጉምታት ንምውሳድ ኣስታት 10 ሚልዮን ኤውሮ ከምዘባኸነ ይገልጽ።

ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳ ዘለዋ ዶብ ብጽኑዕ ትሕልዎ ብምህላዋ፣ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ኣሎ።

ፈረንሳ’ውን ብተመሳሳሊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ኢጣልያ ዘለዋ ዶብ ዓጽያ እኳ እንተላ፣ በቲ ሰፊሕ ከባቢታት ዝሸፈነ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ስደተኛታት ይሰግሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0