ናብ ሳዋ ክምለሱ ዝተነግሮም ኣባላት 27 ዙርያ፣ መብዛሕቶም ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሱን

ናብ ሳዋ ክምለሱ ዝተነግሮም ኣባላት 27 ዙርያ፣ መብዛሕቶም ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሱን

Radio Erena: 29 October, 2014

Sawa

ውጽኢት ናይቲ ዝገበርዎ ፈተና ክፈልጡ ናብ ሳዋ ክምለሱ ዝተነግሮም ኣባላት 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ እቶም ዝበዝሑ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተመልሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ግዜ’ዩ ናብ ሳዋ ዝተምሱ ተማሃሮ እቶም መሕለፊ ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ ኮሌጃት ንምእታዎ ተስፋ ዘለዎም ጥራይ ምዃኖም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ንዕረፍቲ ካብ ሳዋ ምስተመልሱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ፋሕ ኢሎም ምህላዎም ኣገንዚቦም።

 

መንግስቲ ነዞም ክጥርንፎም ዘይክኣለ ኣባላት 27 ዙርያ፣ ብምምሕዳራት ንወለዲ ብምፍርራሕን መጸዋዕታ ብምልኣኽን ናብ ሳዋ ክወርዱ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ’ውን ኣረዲኦም።

መንእሰያት ብሳዋ ዝጅምር ዕድመ ንእስነቶም መጻኢ ኣብ ዘይብሉን ርእሶም ኣብ ዘይክእልሉን ጸልማት ህይወት ካብ ክነብሩ፣ ካብ ኣሃዱታቶም ክኹብሉሉን ናብ ስደት ከምርሑን’ዮም ዝርኣዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ እቶም ግቡእ ታዕሊም ንምውሳድ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ክወርዱ ዝተነግሮም ኣብ ክሊ ዕድመ50ታት ዝርከቡ ዝርከቡ ኣቦታት ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ንኻልኣይ እዋን ንዝወጸ መጸዋዕታ ከተግብሩ ከምዘይክኣሉ ተፈሊጡ።

እቶም ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ኣቦታት፣ ናብርኦም ጠንጢኖም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ክወሓጠሎም ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ንምንታይ ዕላማን ናበይ ቦታን ዝብል’ውን ከምዘተሓሳሰቦም’ዩ ዘመልክት ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣

ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ድኽነትን ማሕበራዊ ቅልውላውን ተሸሚመን እንሃለዋ፣ ንኩነታተን ዘጋድድ ከኣ ኣለይቲ ስድራ ዝኾኑ ኣቦታት ንግቡእ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ክወርድ ይግደዱ ኣለዉ።

ብፍላይ ሓረስቶት፣ ዓመት መመላእታ ዝደኸምሉ ግራውቶም ፍርያቱ ከይጠርነፉ ብሃንደበት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ትእዛዝ ምምሕልላፉ፣ ዕላማ እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ህጹጽ ታዕሊም ክወስዱ ዝጽውዕ ትእዛዝ ክቕበልዎ ከምዘይክኣሉ’ዩ ዝንገር።

እዚ’ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ከባቢ ዓሻ ጎልጎል፣ ናብ ዓዲ ሓሎ ናብ ማእቶት ዝወፈሩ ተማህሮ ኢንጂነሪንግ፣ ኣብቲ ቦታ ዝኾነ ኣገልግሎት ክዳለወሎም ብዘይምኽኣሉ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ሃዲሞም ነናብ ገዝኦም ከምዝተመልሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ሎሚ ዓመት ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገራዊ ኣገልግልት ክወፍሩ እኳ እንተተነግሮም ናበይ ቦታ ከምዝኸዱ ከይፈለጡ’ዮም ተበጊሶም።

ሒዝንኦም ዝተበገሳ መካይን ኣብ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ምሰውረድኦም ከኣ፣ ኣብቲ ከባቢ’ቲ ዲጋ ኣብ ዝተተኽለ ቴንዳታት ከዕርፉ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝኾነ ኣገልግሎት ከምዘይተዳለወሎም

ኣብቲ እዋን’ቲ ሓያል ዝናብ ብምዝናቡ ከኣ ሓያሎ ካብቶም ተማሃሮ፣ ካብ ዓዲ ሓሎ ሃዲሞም ብእግሮም ናብ ኣስመራ ከምዝተመልሱ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

ብዙሓት ካልኦት’ውን ናብይ ቦታ ከምዝወፍሩ ክሳብ ዘረጋግጹ፣ ኣብ ዓዲ ሓሎ ክርከቡ ከምዘይክኣሉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የመልክቱ።

ተማሃሮ ኮሌጃት፣ ቅድሚ ምምራቖም ናብ ማእቶትን ካልእ ኣገልግሎታትን ከምዝዋፈሩ ዝፍለጥ’ዩ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0