ናብ ሱዳን ንምስጋር ዝሓለኑ 45 ሶርያውያን ብሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ተታሒዞም

ናብ ሱዳን ንምስጋር ዝሓለኑ 45 ሶርያውያን ብሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ተታሒዞም

Radio Erena: 16 March 2016

sy Su

መንግስቲ ግብጺ፣ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ሓሲቦም ዝበሎም 45 ዜጋታት ሶርያ ከምዝሓዘ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ኣብ ማርሳ ኣላም ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተታሕዙ ሶርያውያን፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ በረኻ ራሕሪሖሞም ዝሃደሙ ምዃኖም’ውን እተን ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

ኣብ በረኻ መኣዝኖም ድሕሪ ምጥፍኦም ከኣ’ዮም ኣብ ከባቢ ዶባት ግብጽን ሱዳንን ብሓለዋ ዶባት ግብጺ ተታሒዞም። 

ኵናት ሶርያ ካብ ዝውላዕ ዛጊት ልዕሊ 40 ሽሕ ሶርያውያን ናብ ሱዳን ኣትዮም ከምዘለው ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት -UNHCR ኣብ ጥቅምቲ 2015 ምግላጹ ሬድዮ ዳባንጋ ትሕብር።

 

ኣብ ሱዳን ብጠቕላላ 150 ሽሕ ዜጋታት ሶርያ ከምዘለው ድማ ጸብጻባት መንግስቲ ሱዳን የመልክት።

ሱዳን፣ ሓንቲ ካብተን ኣውራ መናሃርያ ስደተኛታት ኮይና ዘላ ሃገር’ያ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0