ናህሪ ዋጋ መሰረታዊን ሃለኽቲ ነገራትን መግብታትን ኣብ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ

ናህሪ ዋጋ መሰረታዊን ሃለኽቲ ነገራትን መግብታትን ኣብ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ

Radio Erena : 07 October 2015

shop

ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን መግብታትን ኣብ ኤርትራ ናህሩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ኣሎ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ዋጋ’ታ መልክዒ መሰረታዊ መግቢ ዝኾነት ሓንቲ ባኒ 3.50 ናቕፋ ክኸውን እንከሎ፣ ዘይትርከበሉ እዋናት’ውን እቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ኣስሚሮም።

ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ፣ ዘይቲ’ውን ንሓደ ሊትሮ 120 ናቕፋ ክሽየጥ እንከሎ፣ ሽኮር ከኣ ንሓደ ኪሎ 55 ናቕፋ በጺሓ ኣላ።

 

ከም ሽጉርቲ ኮሚደረን ድንሽን ዝኣመሰለ ብብወቕቱ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግና ኮሚደረ ንሓደ ኪሎ ክሳብ 75 ናቕፋ፣ ሽጉርትን ድንሽን ድማ ነፍሲ ወከፉ ንኪሎ ክሳብ 50 ናቕፋ ክሽየጥ ከምዝቐነየ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ከም ጸባ፣ እንቋቁሖ፣ ስጋ፣ መዓርን ጠስምን ዝኣመሰሉ መግብታት ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም መሰረታዊያን ዘይኮኑ ከም መጋየጺ መግብታት ዝቑጸርሉ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዋጋ ሓንቲ እንቋቁሑ 10 ናቕፋ፣ ንሓደ ኪሎ ስጋ ድማ 350 ናቕፋ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እቶም ምንጭታት ብዘይካ’ዚ፣ ዋጋ መዓርን ጠስምን ንነፍሲ ወከፉ ንሓደኪሎ ክሳብ 800 ናቕፋ በጺሑ ምህላዉ ብምዝክኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ክምገቦም ዘይክእል ዓይነት መግቢ ምዃኑ ኣስሚሮም።

ኣብ ኤርትራ ንመዓልታዊ መግቢ ዝዝውተር ከም ማሸላን ብርስንን ዝዓይነቱ ኣእካልን መበሊኡ ላምባ፣ ዕንጸይቲ፣ ፈሓምን ጋዝን ኣብ ግምት ከይኣተወ ጥራይ፣ ዋጋ መሰረታዊ መግብታት ካብ ወርሓዊ እቶት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዝተዓጻጸፈ’ዩ ዝዛይድ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ንህዝቢ ተጻዒንዎ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ መግብታትን ሃለኽቲ ነጋራትን፣ ክራይ መንበሪ ኣባይቲ’ውን ካብ ዓቕሚ ስድራቤታት ንላዕሊ ኮይኑ ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 1994 ምትዕርራይ ናይ ደሞዝ ካብ ዝገብር፣ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ 21 ዓመቱ ኣቝጺሩ ዝኾነ ቆላሕታ ኣይገበረሉን።

ኣብ ርእሲ’ኡ’ውን ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ናቕፋ ባጤራ እናተዳኸመን ምስ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዘለዎ መጠን ሸርፊ እናንቆቆለን ስለዝመጸ፣ ናቕፋ ብዝቕባበ ብኸቢድ ተሃስዩ ይርከብ።

ወርሓዊ ደሞዝ ናይቲ ዝበዝሐ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ 700 ክሳብ 1400 ናቕፋ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ነቶም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተታሒዞም ወርሓዊ ካብ 150 ክሳብ 450 ናቕፋ ዝኽፈሉ፣ ዝበዝሐ ዓያዩ ዓቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ከየእተኻ ማለት’ዩ።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0