ነፈርቲ ውግእ ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘምብየን ክብል መንግስቲ ጁባ ከሲሱ

ነፈርቲ ውግእ ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘምብየን ክብል መንግስቲ ጁባ ከሲሱ

Radio Erena: 26 November 2014

Sudan Mig

ነፈርቲ ውግእ ሱዳን እብ ክሊ ኣየር ደቡብ ሱዳን ዘንብየን ክብል መንግስቲ እታ ሃገር ከሲሱ።

እተን ሚግ 29 ምዃነን ዝተገልጻ ነፈርቲ ውግእ ሱዳን፣ ኣብ ምዕራባዊ ባሕረል ጋዛል ከምዝዘንበያ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ኮሚሽነር እቲ ዞባ ንሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን’ውን ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂብሉ ኣሎ።

ነፈርቲ ውግእ ሱዳን ኣብቲ ዞባ ዝዘንበያሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ኣካይደን ምንባረን’ዩ ዝግለጽ።

 

ብሰንኪ’ቲ ዘካየድኦ ደብዳብ ከኣ 35 ሰባት ከምዝተቀትሉን 17 ከምዝቖሰሉን ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ።

ካብ ናይ ሱዳን ዜና ከይወጻእና ብኻልእ ወገን፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ግብጺ ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ድሕሪ ምርኻብ ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተመ ተፈሊጡ።

ካብቲ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዓት ኣስታት 27 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ምህናጽ ዲጋ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምዃኑ ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ሰበ ስልጣን ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ናብ ጁባ ወግዓዊ ዑደት ንኸካይድ ዕድመ ከምዘቕረበሉ’ውን ኣመልኪቱ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0