ነርወይ፣ ኣብ ርዋንዳ፣ መዓስከር ጋሾራ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ከተጣይስ’ያ

Radio Erena: 09 January 2020

ኖርወይ፣ ካብ ሊብያ ተመሊሶም፣ ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ተዓቝቦም ዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ከተጣይስ’ያ።

ሚኒስተር ፍትሒ ነርወይ ዮራን ካልሚር፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 600 ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ንምጥያስ መዲባ ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ነረወይ፣ ኣብ ትሕጢ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝመሓደር ዝተፈላለየ መዓስከራት 3 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ ውጥን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ፣ ቪንሰንት ቢሩታ፣ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ነርወይ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ንምጥያስ ክትሰማማዕ እንከላ፣ ሽውደን ድማ ድሮ ሸውዓተ ኣጣይሳ ከምዘላ ጠቒሱ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ናብቲ ግዝያዊ መዓስከር ዝበጽሐ፣ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምዕባለን ምትሕግጋዝን ኖርወይ፣ ዳግ ኡሊስተን፣ ንኣገልግሎት እቲ መዓስከር ዝውዕል 5 ሚልዮን ዶላር ከምዝተመባጽዐ ኣይርሳዕን።

ኣብ ርዋንዳ፣ ግዝያዊ መዓስከር ጋሾራ፣ ኣብ ሊብያ ካብ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ዝተመልሱ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ስደተኛታት ተዓቝቦም ኣለዉ።

ኣስታት 100 ካብኣቶም ብዘይኣለዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0