“ነርወይ፣ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክትመልስ ኣይትኽእልን’ያ፣” ዋና ጸሓፊት ማሕበር ሓተቲ ዑቕባ ነርወይ

“ነርወይ፣ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ክትመልስ ኣይትኽእልን’ያ፣” ዋና ጸሓፊት ማሕበር ሓተቲ ዑቕባ ነርወይ

Radio Erena: 11 June 2015

naos

ነርወይ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ንምምላስ ብየመናዊ ሰልፊ እታ ሃገር ዝተወጠነ ስምምዕ ግብራዊ ከምዘይኮነ ዋና ጸሓፊት ማሕበር ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነርወይ ኣን-ማግሪት ኣውስተና (Anne-Magrit Austenå ) ገሊጻ።

ንሳ ምስ ማዕከን ዜና ዘ ፎረይነር ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ካብ የማናዊ ሰልፊ ብዝምራሕ መንግስቲ ተወኪሉ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዮራን ካልሚር፣ ብዛዓብ ኤርትራ ዝሃቦ መግለጺ ‘ውን ብግቡእ ዘይተጸንዐ’ዩ ክትብል ነጺጋቶ።

 

ከም መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣህጉራውያን ትካላት ስደተኛታትን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዝኣመሰሉ ናጻ ኣካላት ናብ ኤርትራ ብምእታው ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ግቡእ መጽናዕቲ ከየቕረቡ፣ መንግስቲ ነርወይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ስለዝተሰማምዐ ስደተኛታት ክመልሶም ከምዘይክእል’ውን ኣረዲኣ።

ዋሃ ጸሓፊ ማሕበር ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነረወይ ብተወሳኺ፣ እቲ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ወኪል መንግስቲ ነርወይ፣ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከምዝወረደ ተነጊሩኒ፣’ ንዝበሎ መግለጺ’ውን ብግብሪ ክሳብ ዝረጋገጽ ከም ሓቒ ክውሰድ ከምዘይክእል ኣገንዚባ።

እቲ ልኡኽ ነርወይ፣ ንገዛእ ህዝቡን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ን20 ዓመታት ዘታለለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምእማኑ’ውን ነቒፋ።

ብየማናዊ ሰልፊ ዝተዓብለለ መንግስቲ ነርወይ፣ ኣብ 2015፣ 5.1 ሚልዮን ክሮነር ንመንግስቲ ኤርትራ ብሓገዝ ከምዝሃበ ብምጥቃስ ከኣ፣ ስደተኛታት ንምምላስ በቲ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብጸጋማውያን ሰልፍታት ተቓውሞ ገጢምዎ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዮራን ካልሚር፣ ኣብ ኣስመራ ን2 መዓልታት ጥራይ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ምምስሳል ጌጋ’ዩ ክብል ከምዝገለጸ ይዝከር።

እቲ በዓል ስልጣን ነርወይ ብተወሳኺ፣ ኤርትራውያን ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ይህብኦም ስለዘለዋ’ዩ ክብል’ውን ጠቒሱ’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0