ነርወይን ካናዳን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝመደቦም ሓለፍቲ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ነጺገን

Radio Erena: 05 December 2022

ነርወይን ካናዳን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝመደቦም ሓለፍቲ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ከምዝነጸጋ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ነርወይ፣ ዘርእሰናይ ተስፋይ ንዝተባህለ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝተመዘዘ ሓላፊ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት፣ እወታዊ መልሲ ከይሃበቶ ኣዋርሕ ድሕሪ ምሕላፉ፣ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመደበ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ካናዳ’ውን ብተመሳሳሊ ዝነጸገቶ ተወልደ ዮውሃንስ ናብ ብሪጣንያ ከምዝተወዝዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ነርወይን ካናዳን ነዞም ክልተ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተመደቡ ሓለፍቲ ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ዝነጸጋሉ ምኽንያት፣ ምስቲ ብተሪር ዝቓወምኦ ምእካብ 2% ግብሪ ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ኣብዘን ሃገራት ናብ ደረጃ ኣምባሳደር ዝዓረገ ዝምድና ከምዘይብላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራት ስካንድናቭያ፣ ብደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት ዝመደቦ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣቶ የናስ ማና ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ካናዳ ግና ኣብዚ እዋን’ዚ ንጹር ጽፍሒ ዘለዎ ወኪል እቲ መንግስቲ የለን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0