ቻድ ምስ ቀጠር ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ዝምድና ናብ ንቡር መሊሳ

ቻድ ምስ ቀጠር ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ዝምድና ናብ ንቡር መሊሳ

Radio Erena: 23 February 2018

chad

ቻድ ምስ ቀጠር ኣቛሪጻቶ ዝጸንሐት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ንቡር ክትመልስ ወሲና።

እታ ሃገር ነቲ፣ ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2017 ኣትሒዛ በቲኻቶ ዝጸንሐት ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ሸሪፍ መሓመት ዘነ ብሰሉስ ኣብ ቀጠር፣ ከተማ ኣዶሓ ወግዓዊ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ተራኺቡ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ዳግም ምኽፋት ኤምባሲ ብዝምልከት ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከቲሞም።

ድሕሪ’ዚ ስምምዕ እዚ፣ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኤምባሲታት ብኡ ንብኡ ክኽፈት ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ኣፍሊጡ።

 

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሓ ሃገራት ንቀጠር ናይ ምንጻል ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳደን፣ መንግስቲ ቻድ ምስዘን ሃገራት ብምውጋን ኣብ ኢንጀሜና ንዝነበረ ኣምባሳደር ቀጠር ብምስጓግ ኣብ ኣዶሓ ዝነበረ ኣምባሳደራ ድማ ከምዝሰሓበት ኣይርሳዕን።

ቻድ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንምውጋን ዝወሰነትሉ ምኽንያት፣ ቀጠር ብመንገዲ ሊብያ ኣቢላ፣ ኣንጻር መንግስቲ ንዝቃወሙ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ትድግፍ’ያ ብዝብል ክሲ’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ሓደ ወገን ጸግዒ ከምዘይሕዛ ብምጥቃስ፣ ምስ ቀጠር ዝጸንሐን ዝምድና ክቕጽላ እንከለዋ፣ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ዶባዊ ምስሕሓበን ንኣስታት 8 ዓመታት ንምሽምጋል ተበግሶ ንዝወሰደት ቀጠር ብምኽሓድ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ከምዝወገና ይዝከር።

ጅቡቲ ኣብ ኣዶሓ ዝነበራ ኤምባሲ ጠቕሊላ ክትዓጹ እንከላ፣ ኤርትራ ግና ዝምድንኣ እኳ እንተዛሕተለቶ፣ ኣምባሳደራ ካብ ቀጠር ግና ኣይሰሓበትን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0