ቻይና ኣብ ጅቡቲ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 24 November 2017

China Djibouti

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ፕረዚደንት ቻይና ዢፒንግ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ቻይና ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት’ዩ።

ፕረዚደንት ዢፒንግ፣ ትማሊ ሓሙስ 23 ሕዳር ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ንፕረዚደንት ጉለ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ጅቡቲ ፖለቲካዊ ርግኣት ዘለዋ ሃገር ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ኣብ ስትራቴጅያዊ ዞባ’ውን ስለእትርከብ፣ ቻይና ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ምኽፋታ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጉለ ብወገኑ፣ ጅቡቲ ምስታ ዓርሞሽሽ ዝኾነት ሪፖብሊክ ቻይና ዝምድንኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ እዚ ድማ ሳላ’ቲ ንረብሓ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ዝገብርኦ ዘለዋ ስምምዓት ምዃና ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ቻይና ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ኣብዚ ዓመት እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ብዕብየቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ምኽፋታ ኣይርሳዕን።

ከም ሞሳ ናይዚ ድማ ቻይና ኣብታ ሃገር ብሓገዝ፣ ልቓሕን ምወላን ዝተፈላለየ ናይ ወፍሪ ፕሮጀክታት ሓንጺጻ ኣላ።

ሓደ ካብቲ ተወጢኑ ዘሎ ዝሓለፈ ሰሙን POLY-GCL Petroleum ምስ ዝተባህለ ናይ ነዳዲ ኩባንያ ዝተኸተመ፣ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ፕሮጀክት ዳህሳስ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ቻይና፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣብ ምህናጽ ትርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0