ቻይና፣ 163 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ልኢኻ

Radio Erena: 20 September 2019

መንግስቲ ቻይና፣ 163 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝልኣኸት ኣገልግሎት ዜና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቶም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣተዉ ወትሃደራት ቻይና፣ 30 ካብኣቶም ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕና ክዋፈሩ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ኣብ ምጽጋን ንወትሃደራዊ ስርሒታት ዘገድሱ ጽርግያታት፣ መዓርፎ ነፈርቲን ምህናጽ ነቑጣታታን ክሳተፍ’ዮም።

ቻይና ብዘይካ’ዚ ኣብ 25 መስከረም’ውን 168 ተወሰኽቲ ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ክትልእኽ’ያ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0