ቻይና፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን 16 ሃገራት ዝኣቱ ነገራት ካብ ቀረጸ ናጻ ክትገብሮ’ያ

Radio Erena: 10 August 2022

ቻይና፣ ኤርትራ ካብ እትርከበን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ 16 ሃገራት ዝኣቱ ነገራት፣ ብዜሮ ታሪፍ ወይ ድማ ካብ ናይ ሰደድ ቀረጽ ናጻ ክትገብሮ’ያ።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ እት እታ ሃገር ብ7 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ 98% ናይቲ ካብዘን ሃገራት ናብ ቻይና ዝልኣኽ ነገራት ብዘይቀረጽ ክኣቱ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስትሪ፣ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ዉ ደንግ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ናይ ታሪፍ ዜሮ መደብ ካብ ባሕቲ መስከረም ግብራዊ ከምዝኸውን ኣረጋጊጹ።

ፍርያተን ካብ ቀረጽ ናጻ ናብ ቻይና ክልኣካ ካብ ዝኽእላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣- ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ቻድ፣ ርዋንዳ; ቶጎ፣ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ጊኒ ኮናክሪን ‘የን።

መብዛሕተን እዘን ሃገራት፣ ብመምዘኒ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ምስ ቀዳሞት 10 ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝስራዕ ኮይነ፣ ዝወሓደ ሰድድ ዘለወን’የን።

ቻይና ካብዘን ሃገራት ዝልኣኽ 8,786 ፍርያት ወይ ድማ እቲ 98% ካብ ቀረጽ ናጻ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት ዝርዝር ናይቲ ዝልኣኽ ነገራት ኣይተነጸረን።

ኣብ 2020፣ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ኣስታት 330 ሚልዮን ዶላር ምንባሩ ጸብጻባት ንግዲ ይሕብሩ፡

ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ኤርትራ ኣስታት 70 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ማሺነሪታት፣ መካይንን ጎማታትን ክትሽምት እንከላ፣ ልዕሊ 264 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ነሓስን ዚንጎን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ማዕድናት ድማ ናብ ቻይና ልኢኻ።

ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነዳዲን ማዕድናትን ዝርከቦ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ፍርያት ናብ ቻይና ክልእካ እንከለዋ፣ ቻይና ኣብዛ ኣህጉር እትገብሮ ንግድን ወፍሪን ልዕሊ 250 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0