‘ቻይና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ምትእትታው ወጻኢ ሃገራት ብትሪ ትቃወም’: ኣምባ. ዣዎ ሺዩዋን

Radio Erena: 05 December 2021

cክብል ኣምባሳደር’ታ ሃገር ገሊጹ።
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣዎ ሺዩዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገራት ምዕራብ ብስም ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርኦ ምትእትታው ኣይንድግፍን ብምባል፣ ቻይና ኣብ ጎድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ደው ኢላ’ላ ክብል መርገጺ ሃገሩ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያዱ ዝተዋህበ እቲ መግለጺ፣ ቻይናን ኢትዮጵያን ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ፣ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው፣ ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትፈትሕ ዘርኣየቶ ጻዕሪ ብሓደ ወገን፣ ንምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራት ተቓውሞ ምርኣያ ከኣ በቲ ካልእ፣ ንቻይና ከም መሻርኽቲ ክትርእያ ገይሩዋ’ዩ ኢሉ።
ቻይና ኣብ ጎድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ክትብል ዝቐሰባ፣ ኣብታ ሃገር ኣውፊራቶ ዘላ ርእሰ-ማል ንምሕላው እያ፣ ክብሉ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝገልጹ ዲፕሎማሰኛታት፣ ቻይናን ሩስያን ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ደው ናይ ምባል ዝጸንሐ መቐጸልታ ዝሑል ኲናት እውን ካልእ ምኽንያት እዩ ክብሉ ትንታነኦም ይህቡሉ ኣለዉ።
ቻይና፣ ናይ ሰለስተ ዓመታት መደባት ልምዓት ንምትግባር ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሽርክነት እትሰርሖም ልዕሊ ሰማንያ ፕሮጀክታት ሓንጺጻ ከምዘላ ትገልጽ።
እቲ ወፍሪ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ኮይኑ፣ ኣብ ሕክምናን መድሃኒትን፣ ሕርሻዊ ንጥፈታት፣ ምምዕባል ንግዳዊ ዝምድናታትን ምምዕባል ሞያዊ ዓቕሚ ሰብን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ይርከቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0