ቻይና፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ስለያ መሳርሒ ከምዘይተኸለት ትገልጽ

ቻይና፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ስለያ መሳርሒ ከምዘይተኸለት ትገልጽ

Radio Erena: 31 January 2018

Au headquarters

ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ ስለያ መሳርሒ ተኺላትሉ ንዝብል ሓበሬታ ናይ ኣሉታ ምልሻ ሂባትሉ።

እታ ሃገር ነዚ ምላሽ ትህብ ዘላ፣ ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ጋዜጣ ለ ሞንድ፣ ቻይና ኣብቲ ባዕላ መዊላ ባዕላ ዝሃነጸቶ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ መጸናጸኒ መሳርሒታት ብምትካል፣ ንኩሉ ጉዳያት እቲ ሕብረት ክትከታተሎ ከምዝጸንሐት ዝገልጽ ዜና ድሕሪ ምቕራባ’ዩ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኩዋንግ ዌሊን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቻይና ነቲ ተግባር ከምዘይወዓለቶ ብምጥቃስ፣ ሓበሬታ’ታ ናይ ፈረንሳ ጋዜጣ ንዝምድና ቻይናን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ጥርጣረ ከእትዎ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

200 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ተጌርሉ ኣብ 2012 ዝተዛዘመ ሓድሽ ህንጻ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቻይና ከም መዘከርታ ናይቲ ምስ ኣፍሪቃ ጀሚራቶ ዘላ ናይ ወፍርን ንግድን ተበግሶታት ክኸውን’ያ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብህያብ ኣበርኪታቶ።

ብመሰረት ጋዜጣ ለ ሞንድ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብዚ ብቻይና ዝተለገሰ ህንጻ ድሕሪ ምግዓዙ ካብ 2012 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት፣ ብቀጥታ ናብ ቤት መንግስቲ ቤጂንግ ይመሓላለፍ ኣሎ።

ቻይና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወፍሪ፣ ህንጻዊ ስርሓትን ንግድን ተጸሚዳ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ 2015 ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምህናጽ ወደባት፣ መንገድታት ሓዲዳትን ንምህናጽ ናይ 60 ቢልዮን ዶላር ሓገዝን ወፍርን መብጽዓ ከምዝኣተወ ኣይርሳዕን።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0