ቻይና፣ ንኢትዮጵያ 90 ሽሕ ኩንታል ናይ እኽሊ ረዲኤት ኣበርኪታ

Radio Erena: 06 August 2019

ቻይና፣ ንኢትዮጵያ 90 ሽሕ ኩንታል ናይ ሩዝን ስርናይን ረድኤት ከምዝለገሰት መርበባት ሓበሬታ ቻይና ኣፍሊጠን።

እቲ ሓገዝ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጠለበቶ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ክውዕል’ዩ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ፣ ታን ዢያን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ እቲ ረድኤት ኣካል ናይቲ ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ መዳያት ንምሕጋዝ ዘለዋ ሰፊሕ መደብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ቻይና ኣቐዲማ’ውን ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት፣ ልዕሊ 60 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ መግቢ ረድኤት ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።

ኮሚሽነር ሃገራዊ ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ኢትዮጵያ ምትኩ ካሳ ብወገኑ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ረድኤት ቻይና ኣብ ግዜኡ ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ህጹጽ መግቢ ንዘድልዮም ኣሽሓት ኣብ እዋኑ ከምዝባጻሕ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉ ሚልዮናት ዜጋታት እታ ሃገር፣ ሓገዝ ክብርከተሎም ክትሓትት ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ዘርግሖ መግለጺ፣ ኣስታት 8.3 ሚልዮን ዜጋታቱ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘድልዮም ምምልካቱ ኣይርሳዕን።

ነዚ ንምምካት ድማ ኢትዮጵያ ናይ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ’ያ ሓቲታ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0