ቻይና፣ ብልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ጂቡቲ ዝሃነጸቶ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ምሉእ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 19 August 2022

ቻይና፣ ካብ 2016 ኣትሒዛ፣ ኣብ ጂቡቲ ክትሃንጾን ከተስፍሖን ዝጸንሐት መደብር ሓይሊ ባሕሪ፣ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ካብ ሳትላይት ንዝተረኽበ ኣሳእል ብምውካስ ኣብ ዘቕረብዎ ሓበሬታ፣ እቲ ልዕሊ 590 ሚልዮን ዶላር ዝወደአ መደባር ሓይሊ ባሕሪ፣ ዓበይቲ መራኽብ ኵናት ቻይና የተኣናግድ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

ሓንቲ ካብዘን ኣብ ጂቡቲ ዝዓስከራ መራኽብ ኵናት ቻይና፣ ኣስታት 800 ወትሃደራት፣ ሄሊኮፕተራትን ድሩዓትን ክትስከም እትኽእል፣ ዩሃዞ ዝተባህለት ‘ያ።

ቻይና፣ ነዚ ካብ መሬታ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ኣብ ጂቡቲ ዝሃነጸቶ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ክራይ ትኸፍለሉ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ጂቡቲ ኣምሳያ ናይቲ ንቻይና እትህባ ዘላ ናይ መሬትን ባሕሪን ክራይ፣ ገሊኡ ብገንዘብ ክኽፈላ እንከሎ፣ ዝተረፈ ድማ ከም ምስፋሕ ወደብ፣ ምህናጽ መንገዲ ባቡርን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን፣ ብኩባንያታት ቻይና ይካየደላ ምህላዉ ይግለጽ።

ቻይና ኣብ ጂቡቲ ዝሃነጸቶ፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝርከቦ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ካብቲ ኣመሪካን ቻይናን ንነዊሕ ዓመታት ክግልገላሉ ዝጸንሓ መደባር ርሑቕ ኣይኮነን።

ህላወ ቻይና ኣብ ጂቡቲ፣ ስግኣት ዝፈጠረላ ኣመሪካ ብወገና፣ ነቲ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ዓስኪረኦሙሉ ዘለዉ መኦኣስከር ለሞንየ ናይ ምስፋሕ መደባት ተካይድ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0