ቶጎ፣ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ እስራኤልን ሃገራት ኣፍሪቃን ተሰሪዙ

ቶጎ፣ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ እስራኤልን ሃገራት ኣፍሪቃን ተሰሪዙ

 

Radio Erena: 12 October 2017

 togo_israilካብ 23 ክሳብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ቶጎ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዋዕላ እስራኤልን ሃገራት ኣፍሪቃን ተሰሪዙ።

እቲ ዋዕላ ብጠለብ መንግስቲ ቶጎ ከምዝተሰረዘ ዘረጋገጸ ሚኒትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር፣ ኣብ ካልእ እዋን ንምውዳቡ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቶጎ፣ ፎር ኢሶዚምና ናሲንግበ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ወከልቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን እስራኤልን ከካይድዎ ዝወጠኑ ዋዕላ፣ ተወሳኺ ምድላዋት ከምዘድልዮ ብምጥቃስ ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግሮ ከምዝወሰነ ኣነጺሩ።

 

እቲ ፕረዚደንት ናብቲ ውሳኔ ቅድሚ ምብጽሑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ከምዝተረዳድአ’ውን ኣነጺሩ።

እተኾነ፣ ኣውራ ጠንቂ ምስራዝ እቲ ዋዕላ ካልእ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ፖለቲከኛታት ትንታነቶም ይህቡ።

እስራኤል፣ ቅድሚ ሕጂ ኣተኩሮ ጌራትሉ ናብ ዘይትፈልጥ ዞባታት ዓለምና ዲፕሎማስያዊ ምቅንቕቓሳት ኣብ እተሐይለሉ ዘላ እዋን’ያ፣ ነዚ ዋዕላ ንምክያድ ምስ መንግስቲ ቶጎ ኣብ ምርድዳእ በጺሓ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ቶጎ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሰማማዓሉ ዋዕላ፣ ተወሳኺ ምድላው የድልዮ’ዩ ብምባል ሰሪዝዎ ኣሎ።

እስራኤል ብዘይካ’ዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተካዶ እትውጥን ዘላ ኣብ ቁጠባን ዲፕሎማስን ዘተኮረ ዋዕላ፣ ምስ ኡጋንዳን ሩዋንድ ኣብ ምምላስ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘተኮረ ምስጢራዊ ስምምዓት’ውን ተካይድ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0