ታንዛንያ 105 ኢትዮጵያውያን ቀይዳ

ታንዛንያ 105 ኢትዮጵያውያን ቀይዳ

Radio Erena: 03 December 2015

tan eth

ፖሊስ ታንዛንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ዝወጠኑ 105 ኢትዮጵያውያን ቀይዱ።

እቶም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ከተማ ዳርኤ ሰላም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤት ተሓቢኦም ኣብ ዝነበርሉ እዋን’ዩ፣ ፖሊስ ብዘካየድዎ ስርሒት ተታሒዞም።

ኣብ 2012 ብተመሳሳሊ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ሓደ ገዛ ተሓቢኦም ዝነበሩ 40 ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ሕጽረት ትንፋስ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣይርሳዕን። 

መዓልታዊ 10ታት ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ብመንገዲ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክ ወይ ዛምብያን ካልኦት ሃገራትን እናሰናጠቑ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታዉ ከምዝሕልኑ ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት የመልክት።

 

መንግስቲ ማላዊ’ውን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ዝሓለኑ 20 ኢትዮጵያውያን ዝሓለፈ ሰሙን ምቕያዱ ይዝከር።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0