ቲፋኒ ቲፋኒ ዶ ጨኒኹም?

ቲፋኒ ቲፋኒ ዶ ጨኒኹም?

Radio Erena:23 March 2018

Tifanny

 

     ናኮ፣ ሓውሲ ሃገር ዝኾነት ከተማ’ያ። ሃገር ኣይበቕዐትን ግና ከኣ ሃገር’ያ። ናይ ገዛእ ርእሳ ንጉስ ኣለዋ። ናይ ጸጥታ ምምሕዳራ ኣብ ፈረንሳ’ዩ ዝምርኮስ። ኮታ ግብሪ ምእካብ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሃገር ዘብላ ወግዒ የብላን። 38 ሽሕ ዝብዝሖም ዜጋታት ሞናኮ ዜጋታት ፈረንሳ’ውንዮም። ብምርጭኦም። ፈረንሳውያን ኣብ ሞናኮ ክነብሩ’ውን ከም ዓዶም። እዚ’ውን ብምርጭኦም። በዚ ዘዕበየና ፖለቲካ፣ ርክብን ፍልልይን ሞናኮን ፈረንሳን ንምርድኡ ኣጸጋሚ’ዩ።

     ክልተ ትርብዒት ኪሎሜተር ጥራይ ስፍሓት እትውንን ሞናኮ፣ ዝያዳ እትፍለጠሉ ኣብ ማእከላ ባሕሪ ዝርከብ ውቁብ ገማግም ባሕራን ጸዋታ ቁማርን’ያ። ዝበዝሐ ኣዋርሕ ናይ ዓመት’ውን ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ስለእትውንን፣ ብበጻሕቲ ተባሃጊት ይገብራ።

      ካብ ሞናኮ ናይ 20 ደቂቕ ጉዕዞ’ያ ብባቡር። ናይ ኢጣልያ ንእሽቶ ከተማ ቫንቲምልያ።

     ቫንቲሚልያ’ውን ካብ ሞናኮ ዘይሰንፍ ምንቕስቓስ’ዩ ዘለዋ። ዋላ’ኳ ኣረጋውያን ዝበዝሑዋ ከተማ’ያ ትብህል እንተኾነት። እዛ ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ፣ ኢጣልያውያን ጥራይ ዘይኮኑ ፈረንሳውያን’ውን ምንባራ የዘውትሩ’ዮም። ኢጣልያ ምስ ፈረንሳ ብምንጽጻር፣ ዝወሓደ እቶትን ዝሓሰረ ዕዳጋን ኣለዋ። ዝተጠረቱ ፈረንሳውያን እምበኣር እቶቶም ኣብዛ ጎረቤት ዓዶም ግርም ከናብሮም’ዩ ዝኽእል። ካብ ዓዶም ሓደ ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቖም፣ ዝሓሰረ ናብራ ቫንቲሚልያ የስማቕሩ። ኣብ ገማግም ባሕራ ይፍስሁ። ቋንቋታት ኢጣልያን ፈረንሳን የላክዑ።

     “ኣቤት’ወ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነብር ህዝቢ ከምዚ እንተዝኾነሉ” ትምኒተይ’ዩ። ክሰምር ዘይክእል ትምኒት። ትምኒት ዝሰምርን ዘይሰምርን ብሓይሊ ሰብ’ዩ። እዚ ንርእዮ ዘሎ ናይ ከባቢና ሰብ ከኣ ነዛ ትምኒተይ ዘስምር ህዝቢ ኮይኑ ስለዘይተሰምዓኒ’የ ዘይሰምር ትምኒት ዝብሎ ዘለኹ።

     ካብ ዓባይ ከተማ ኒስ ነቒላ፣ ገምጋም ባሕሪን ኣጻድፍን ኣሞናጉያ፣ ዘገም ትብል ኣላ ባቡር። ባህታ ዝፈጥር ትርኢት። ወዲ ሰብን ምስ ተፈጥሮን እንተተዋሂዱ ክፍጠር ዝኽእል ትርኢት’ዩ።

     ከተማታት ሞናኮን ሞንቶን ኣዕሪፋ ጉዕዞኣ ኣብ ኢጣልያ፣ ከተማ ቫንቲምልያ ዛዘመት።

     ፊት ንፊት ተማዓድዩ ዝጠማመት እምባታት ቫንቲሚልያ፣ ሓድሕዱ ብድልድላት ተኣሳሲሩ’ዩ። ኣየናይ እምባ ናይ ፈረንሳ ኣየናይ ከ ናይ ኢጣልያ ክሳብ ዘይፍለ፣ በቃ ፍጹም ተጣሚሩ። ሓደ ካብዞም ድልድላት ዝያዳ ስም ረኺቡ ኣሎ ኣብ ኤውሮጳ። ብፍላይ ከኣ ኣብዘን ክልተ ሃገራት። ኣብ ትሕቲኡ ኣማኢት ቆልዓ-ሰበይቲ፣ ምርኩስ ዝሓዙ መንእሰያትን ጎራዙትን ቴንዳታት ዘርጊሖም ተዘርዮም ይርኣዩ። መብዛሕቶም ኤርትራውያን ወይ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኣቓውማ ኣካላቶምን ውጅሂ ገጾምን ይምስክር።

Vintimille 1

     “ሰላም እዚ ድዩ ናይ ቫንቲሚልያ ቢንቶ” መበገሲ ሕቶይ ነበረት ክዳውንቲ ንዝሰጥሓ ዝነበራ ክልተ መንእሰያት።

     ንቀዳማይ ሌላ ክዕንቕፍ ዝኽእል መሳርሒታተይ ኣብ ዝባነይ ኣብ ዘሎ ቦርሳ ተሓንጊጠዮ’የ።

     “ናብ ፈረንሳ ዲኻ ክትሰግር ደሊኻ?” ተቐባሊ መልሰን ነበረ።

     “እወ ክሰግር ደልየ ግና ከመይ ገርካ ከምዝስገር ዘዕልሉኒ ኸኣ ደልየ፣”

     “ኣብዚ ምስ ገሊኦም እሞ ጽናሕ….፣ ብምንታይ ኢኻ ክትሰግር? ብታክሲ ወይ ብባቡር?”

     “ወይለይ ምርጫታት ከኣ ኣለዎ ድዩ?” ምርጫታት ከምዘለዎ’ውን ይፈልጥ ኣይነበርኩን።

     “ብእግሪ እንተደሊኻ’ውን ኣሎ። በዚ ጎቦታት ሰጊርካ፣”

     ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ንምእታው ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ይመስለኒ ኣይነበረን። ጎቦታት ሰጊርካ ራማ ዝእቶ ጥራይ ይመስለኒ ነበረ። ንሳ ጥራይ ስለዝኾነት ተሞክረይ’ዩ ዝኸውን።

     “እዋእ ደሓን ኩሉ ዘይፍትኖ፣” ቦርሳ ኣውሪደ። ኣብ እግሪ’ቲ ክዳውንቲ ዝሰጥሓሉ ሳዕሪ እናሳፋሕኩ።

     ኣብ እግሪ’ቲ ተዘርጊሖ ዘሎ ኣማኢት ቴንዳታት፣ ንከተማ ቫንቲምልያ ከቢቡ ካብ ዘሎ እምባታት ዝፈሰሰ ወሓዚ፣ ብመንገዲ እዚ ሩባ ናብቲ ኣብ ቅድሚት ኣሳፊሑ ዝረአ ማእከላይ ባሕሪ ይፈስስ።

     ነበርቲ ቫንቲምልያ ካብ ንእስሊን መጋየጽን ካልእ ዝጥቐምሉ ኣይኮኑን። ነዞም ኣብ ደንደሱ ኣዕሪፎም ዘለዉ ደቂሰብ ግና፣ ምንጪ ንጽህና ሰብነቶምን ክዳውንቶም’ዩ። ዝስተን ዝብላዕን ብካሪታስ’ዮም ዝጥወሩ። እኹል ገንዘብ ዝሕወለሎም ከኣ ፒሳን ሻውርማን መለሳ ይደልዩ።

     “ሕጂ ዲኻ መጺእካ ካብ ሚላኖ?” ሓንቲ ካብተን ጎራዙት፣ ክዳን እናሰጥሐተ ኣብቲ ዘሳፍሐ ሳዕሪ። ክዳውንቲ ኣርቢባ ንምስጣሕ፣ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ምድናና፣ ካብ ኣጥባታ ክሳብ ሕምብርታ ንቃልዕ ሃባ።

     “ናይ ጉዕዞ ስደት ወጀብጀብ ኢላ እምበር፣ ግርምቲ ቆልዓ። ጽቡቕ ይመስል ሰብነታ?” ካብ ተልእኾይ ዘበልኩ።

Vintimille6

     “ኖ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ’ዚ ናይ ቫንቲምልያን ፖሊስ ፈረንሳ ጌሮሞ ዘለው ተፍትሽን ክጽሕፍ ደልየ’ምበር፣”

     “ኦይ! ናይ ፖሊስ ፈረንሳ ገዲፋ ተዛረብ። ክሓስሙ። ምሕላፍ ከሊኦምና፣”

      “ላ በዚ ጎቦታት ብእግሪ እንተሰገርኩም፣”

     “ዋእ! ሱቕ ኢሎም ክከታተሉኻ ይውዕሉ፣ ደሓር ናብታ ከተማ ክትኣቱ ምስ ቀረባ መኪና ጌሮም መጺኦም ይሕዙኻ። ናብ ዶብ ጣልያን ኣብጺሖም ድማ ይፍንዉኻ።

     “እሞ እንታይ ደኣ ትገብሩ?”

     “ደጋጊማን ንፍትን። ሓንሳእ ብባቡር፣ ሓንሳእ ብታክሲ ገለ እዋን ከኣ ብእግሪ። እቲ ናይ እግሪ ግና ድኻም’ዩ፣”

     ፊትና ዘሎ ጎቦታት እናረኣኻ፣ ንምስጋሩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ንምግማቱ ቀሊል’ዩ።

     “ታክሲ ደኣ እንታይ ትገብሩ፣? ኩንትራት ትወስዱ ማለት ድዩ?”

     “ታክሲ’ዮም ዝብልወን’ምበር ሰምሰርቲ’ዮም። ሰብ መኪና’ዮም። ንሓደ ሰብ 170 ወይ 200 ኤውሮ የኽፍልዎ።”

     “ኣብዚ ኸኣ ሰምሰርቲ ኣለዉ? እንታይ መዓቱ’ዩ ጓለይ?

     “ኣብ ኩላ። ዋላ ባቡር ክትፍትን፣ ንሶም እንተዘይመሪሖሙኻ ኣይሰልጥን’ዩ፣”

Vintimille 2

     ኣብ ትሕቲ እዛ ድልድል፣ ናብ ፈረንሳ ክሰግሩ’ሞ፣ ጉዕዞ ስደቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ነዛ ናይ ሓንቲ ኪሎሜተር ዘይትኣክል ምስጋር፣ ኣማኢት ኤውሮ ንሓደ ሰብ ዝምዥርጡ ስደት ምንጪ ሃብቶም ከምዘለዉ ንፈለማ እዋነይ ተገንዘብኩ።

     ንነገሩ ጋሻ ዓሻ። ንሶም ደኣ እንታይ’ሎም ክፈልጥዎ። በየን ከ ክብልዎ? እሞ ኸኣ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ሰብ። ኣይኮነን መንገድታት ዓድን ከተማታትን ኤውሮጳ ሲ ነዛ ዝነብረላ ገዛ ክሕብረካ’ኳ ቁጽሪ ገዛን ጎደናን ምጥቃስ ዘይለመደ።

     “ኣብታ እንዳ ኣውቶቡስ ውረድ’ሞ፣ ኣብኡ ኬንካ ደውለለይ፣ መጺአ ክወስደካ’የ፣” እንድዩ ዝብል ዘሎ ክሳብ ‘ዛ ለይቲ ሎሚ።

     “መስኪናይ ብህዱል ህዝቢ። ብዘይ ደላሎ ብዘይ ሰምሰርቲ ኸ ኣበይ ክበጽሕ ተውሳኺትሉ።”

     ዘድልየኒ መእተዊ ሕቶታት ብዘይ ገለ ጸገም ረኺበ ኣለኹ። ክዳውንተን ሰጢሐን ናብ ዝርጉፍ ቴንዳታት ኣምርሓ። ተኸቲለየን ሰዓብኩ። ቡን ሻሂ ዝብሃለሉ ናብራ ኣይኮነን። ሻሂ እንተደሊኻ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ንካሪታስ ምጽባይ’ዩ።

     ሻሂ ክጋብዘን እሞ ኣጣጢሐን ከዕልላን ምደለኹ። ዝጥንቐቐሉ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት’ዩ። “ሰባት ብገንዘብ ኣይትግዛእ።” ንነገሩ ክገዝእ’ውን እንተዝደሊ፣ ዘሎኒ የብለይን።

     ኣብ ጎኒ’ታ ቴንዳ ካልእ ቴንዳ’ላ። ኣብ ዝተዘርግሐ ባኮታትን ኮቦርታን ዘብረኹ ኣርባዕተ መናእሰይ ነበሩ። ሓሙሻዮም ተጎንቢሱ ብክልተ ኣእዳው ኣብ ኣብራኹ ተሞርኵሲ’ዩ።

     ጉዕዞ ስደትን ቫንቲሚልያን ከውግዑኒ እንተኸኣሉ ካብ ምሕሳብ’የ ርእሰይ ጠውየ።

     ተፈራሪቑ ዝሰማዕክዎ ዕላሎም ቅጽበት መኣዝን ኣርእስተይ ጠምዘዘ። ቀሪበ ክሰምዖም ደለኹ።

     “ቲፋኒ ሓድሽ፣ ቲፋኒ፣ ትፍኒ…፣” የድንቁ። ይካትዑ። ይትንትኑ። ይምጉቱ።

     “እዋይ ኣብ ዘይ ሕማምካ ረስኒ። ሕማሞ ገዲፎም ሲ….፣” ሓመኹዎም ምስ ነብሰይ።

     ቲፋኒን ዙርያኣን ቀልቢ ሓያሎ ዘኒብሉ ዝነበረ ቅንያት’ዩ።

     ሳገምቲ ስደተኛታት ምስ መቕርቦም ርክብ ከየጥፍኡ ካብ ምሕላይ፣ ኢንተርነት ብናጻ ዝረኽብሉን ሞባይሎም ቻርጅ ዝገብርሉን ብገበርቲ ሰናይ ዝተዳለወ ማእከል ኣሎ።

     ሳገምቲ ግና ነዚ’ውን ሓሊፎም ሲ፣ ቲፋኒ ቲፋኒ እኳ ክተዓፋፈኑ ጸኒሖምኒ።

     “ግርም ምዕባለ’ዩ። ግዙእ ናይ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝገብር ምዕባለ።

Vintimille 3

     ኣቤት ዝኽትምና!!! ቅድሚ 60 ዓመት ዝሞቱ ኣቦ ሓጎይ ኣይስምዑ? ትማል ትማል፣ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ውላድ ብርክኹም’ዩ ከጽምምዎም ሓግዮም ሲ፣ እንሆ ኸኣ ሕጂ ቲፋኒ ቲፋኒ ክዕፍንዎም ቀንዮም። ምናልባት፣ ‘ቲፋና ሰላጣ ሒዛ እንከላ ሓወልቲ ስርሑላ ኣብ ዓዲ ሓሎ’ እንተበሉ ንጉሰ ነገስት ናይ ኤርትራ፣ ዕስራ ትግሬቶ ሑጻን ሰሜንቶን ኣዳልዩ ኣሎ ሓደ ምእዙዝ ኣዛዚ።

     እንታይ ይብሃል ደቀይ እዚ? እዚ ሲ ምልክታት ዝኽትምና’ዩ። ኦርፋኒዝም! ዝኽትምና ዝተሰምዖ ህዝቢ ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? ኣብዚ ናይ ኣፍሪቃ ስነ ጽሑፍ ኣትስእንዎን ኢኹም። ሃሰው በሉ።

     ዝሕበነሉ ዝሰኣነ ሕብረተሰብ፣ ካልእ ሕብረተሰብ ዘፍረየሉ እናወረሰን እናወደሰን’ዩ ዝነብር። ኬንያውያን። እዞም እኳ ካብ ጎደበና ርሑቕ ዘይኮኑ ሃገሩ፣ ‘ኦባማ ወዲና’ዩ’ እናለኡ፣ ኣራግጽ ወዲኦምና ዶ ኣይሓገዩን። እንሆለ ግዴና ኣርኪቡ፣ ‘ቲፋኒ ጓልና’ያ’ ኣራግጽ ክንድውኦም ኢና።

     ‘ናይ ኦባማ ዓወት ንከኢንያውያን እሞ እንታዮም፣’ ዶ ኣይሽካዕሊልና ሓቐይ። ግዴና ኣኺሉ በቓ ፎኺስና። ክንቲት ተመዚና። ዓወት ቲፋኒ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ እናልና ክንጽለል ደሊና።

     ቲፋኒ ዕውቲ እንተኾይና፣ እቲ ዓወት ነቲ ዘውዕበያ ሕብረተሰብ’ዩ ዝውክል። ብኣገላልጻ ገለ ክፋል እዚ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ (ዝያዳ እኳ እቲ ህግደፋዊ) ዓወት ቲፋኒ፣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ተረኺቡለይ ያኢ።

     ቲፋኒ ኣቡኣ ኤርትራዊ ምዃኑ ደኣ’ምበር ኤርትራን መንነት ኤርትራውያንን ከምዘይትፈልጦ ሲ ባዕላ ደርጉሓትልኩም እኮ’ያ። ኣቦይ ኤርትራዊ ኣይሁድ’ዩ ዶ ከይበለት። ኤርትራዊ ኣይሁዳዊ ዝብሃሉ ሕብረተሰብ ኣለዉና ድዩ? እንታይ ድኣ መልሲ ዘይሃብኩም በዓል ኣማራ ወላ ዶተረ።

Vintimille 7

     ‘ኤርትራዊት ጀበርቲ’የ እንተትብለኩም ከ?’ ገሌኾም ብርግጽ መጉራዕኩም።

     ካብ ጸባ ዘይተረኽበ ሲ ካብ ማይ ጸባ ዶ በሉ እቶም ሰብ ቀደም። ኣንታ ሓቖም’ባ’ዮም። ሃገር ብሃገራ ብስደት ዓለም ኣላድያ ዘላ ኤርትራ ሲ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ብዘፍረያ መንእሰይ ክትሰራሰር ሓግያ ኢሎማ። ደጊም ትሩፍ። እቶም ኣብ ሳዋ፣ ማይ ነፍሒ፣ ዒራዒሮ፣ ካርሼሊ፣ ዓዲ ኣበይቶ ዘለው ኸ? ካን በቃ፣ ፍረ የብሎም ዶ ኢልኩሞም።

     ዝኾነ ኮይኑ፣ ንጉስ ነገስት ባሪኾም ዘቋደስዋ ሳላጣ፣ ርሒሳታ ኣብ ኦስካር ተራእያ ኣላ ቲፋኒ። እንቋዕ ሓጎሳ። ጻዕራ’ዩ። ሕልማ። ከምዚ ናታ ሕልሚ ዘለክን ኤርትራውያን ጎራዙት ኣለኽን ዶ? ኣብ ጽቡቕ ዓራት ጥራይ ስለዝደቀስካ ኣይኮነን ዝሕለም። ሳዋ፣ ዒራዒሮ፣ ካርሸሊ፣ ማይ ነፍሒ፣ ኮይንካ’ውን ይሕለም’ዩ። ተስፋ ዘይሙቕራጽ ጥራይ። ኣቦ ቲፋኒ፣ ሓደ እዋን፣ ኣባሻውል ኮይኑ ዝሓለሞ ሕልሚ፣ ኣብ ፍረ ከርሱ ኣብ ሎስ ኣንጀለ ተጋሂድሉ’ዩ። ክቡራት ደቂ ዓደይ፣ ምሕላም ሲ ኣይተቋርጻ ደኣ። ኣበይ ይግሃድ ከኣ ግዜ ባዕሉ እንድዩ ክፈርደና።

     ቲፋኒ፣ ዜጋ ናይታ ኣውራ ጸላኢትና ዝኾነት ሃገር ምዃና ኸኣ’ባ ረሲዐልኩም። ኣይፋልን! ኩሎም’ቶም ኣመሪካ ጸላኢትና’ዩ እናሉ ዓንገረር ዝብሉ፣ ዜግነት ኣመሪካ ሒዞም ኣለዎ። እዚ ሲ እንታይ ግድኹም። ዜግነት ንምሓዝ ለይትን ቀትርን ሃገራዊ መዛሙርን ታሪኽን እዛ ሃገር ኣብ ምሽምዳድ ዝርከቡ ከኣ’ባ ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ ኣለዉ።

     ‘ዓሻ ድየ በራኺ፣ ኢትዮጵያ ባ ትቕደም’ ድዩ ዝተባህለ ኣብ ዘመነ ደርግ። ኣብ ዘመነ ህግደፍ ድማ እንሆለ፣ እንተ ‘ቲ ዕሽነት እንተ ‘ቲ በለጽ ናብ ስደት ሰጊሩ ሲ፣ “ዓሻ ድየ ወዲ ኣማረ፣ ኣመሪካ እወ ጸላኢትና” ይዝመረሉ ኣሎ።

Vintimille

     ቅድሚ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ኣቢሉ’ዩ። ብናይ ኣዲስ ኣበባ ፕሮሰስ ናብ ኣቢላ ኣመሪካ ዝኣተወት መቕርብ ኣላትኒ። ናብዚ ዘለኽዎ ስደት ሃገረ ፈረንሳ፣ ብኢትዮጵያ ኣቢለ ምምጽአይ ፈሊጣ፣ ካን ተቐይማትኒ።

     ኢትዮጵያን ኣመሪካን እተን ቀንዲ ጻላእቲ ህዝቢ ኤርትራ’የን ብዓይኒ እዛ ሓብቲ። ነዛ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነተ ሃገረ ኣመሪካ ጠንጢና፣ ጠቕሊላ ናብ ኤርትራ ከይትምለስ ግና ነብሳ ምግባር ኣብዩዋ’ዩ። ካብ ኣመሪካ ሃገረ ዕግርግር ሃዲማ ናብ ኤርትራ ሃገረ ምልኣተ ሰላም ክትስደድ ምኽኣሉ ስኢና። ሕቡጭቡጭ ኢሉዋ። ብውሕዱ እርጋን ምሰ’ሰነፋ ዑቕባ ክትሓተላ መዲባ ምህላዋ ግናብሰበ ሰብ ሰሚዐላ ኣለኹ። ንበዓል ዶላር ኣብ እርጋኑ ዘየጸምዉ፣ ድኻን ዘኽታምን መሊኡዋ’ዩ ኤርትራ። ሓንቲስ ዝተረፈ ተሪፉ ገዛ ጥራይ ትሰራሕ ደኣ’ምበር።

     እሞ ሃየ! ቫንቲሚልያ ቅድም ስገሩዋ። ደሓር ፈረንሳ ትእትዉ። ደሓር ናብ ዝመረጽኩሞ ሃገር ጉዕዞ ትቕጽሉ። ደሓር ዑቕባ ትሓቱ። ደሓር ስራሕ ትጅምሩ። ደሓር ገንዘብ ተዋህልሉ። ደሓር ኣብ ኤርትራ ገዛ ትሰርሑ። ደሓር ኣብታ ሃገር ድኻታትን ዘኽታማትን መሊኦም ስለዘለዉ ገላዩ ትረኽቡ። ኣብ ኤርትራ ገዛ እንተዘይደሊኹም ድማ፣ ከም ቲፋኒ መታን ክኾናልኩም ደቁኹም ካብ ጸዓዱን ጸለምትን ትወልዱ።” ክሕጭጭ ደለኹ።

     ሳታየር ዝያዳ ኩሉ ዓይነት ቅድታት ስነ ጽሑፍ’ዩ ዝምስጠኒ። ሓያሎ ሃየስቲ ንሳታየር፣ ቅዲ ስነ ጽሑፍ ዘይኮነ፣ መሳርሒ ስነ ጽሑፍ’ዩ እናበሉ’ዮም ዝምጉቱ። ቅዲ ኮይኑ መሳርሒ፣ ሳታየር ቀዳማይ ምርጫ’ዩ። ኣብ ትግርኛ፣ ሕጨጫ ወይ ምሕጫጭ ወይ’ውን ባጫ እናተባህለ ክትርጎም ሰሚዐ ኣለኹ።

     ካብ ሳታየር ንባዕሉ፣ ከም ሕርሻ እንስሳ ወይ 1984 ዝበላ መጻሕፍቲ ጆርጅ ኦርዌል ዘጣመርኦ ፖለቲካል ሳታየር መሃነተይ የጥፍኣለይ። ንሕብረተሰብ ብሳታየር ጌርካ’ውን ጀፍ ይብሃል’ዩ። ለባምን ውሕሉልን ጸሓፊ እንተረኺቡ ማለት’ዩ። ሳታየር ጸርፊ ኣይኮነን። ዘለፋ’ውን ኣይኮነን። ከም ምቕሉል እማማ (A Modest Proposal ) ዝኣመሰለ ናይ ዮናታን ስዊፍ ሳታየር፣ ኣታኣላልያ ደቁ ንዘንግዐ ህዝቢ ኩርማጅ’ያ። ነዚ ቲፋኒ ቲፋኒ ዝሽትት ዘሎ ህዝብና’ውን፣ እዛ ኩርማጅ እንታይ ምበለቶ?

Vintimille 5

     ብዝኾነ፣ ኣብ እግሪ ነፍሲ ወከፍ ቴንዳ፣ ወይ ዝተዘርግሐት ኮቦርታን ካርቶናትን ዝተዛሕዘሐ ጎሓፍ ኣሎ። ዝተወድአ ጠራሙዝ ናይ ቢራ መርኣዩ የብሉን። ነነጢሩ’ውን ኮንዶም ይርአ። ገሊኡ ዝተኸፍተ ገሊኡ ዘይተኸፍተ ዕሹግ መግብታት ተደሚርዎ፣ እቲ ከባቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽታ ፈጢሩ። ኣብ ሓደ ካብ ኣእጋር ናይቲ ድንድላት፣ “ነቶም ድሕሬኹም ዝመጹ ጽሩይ ቦታ ሕደጉሎም፣” ዝብል ጽሑፍ ብቛንቋታት እንግሊዝ፣ ፈረንሳን ዓረብን ይንበቦ። ስደት ካብ እኒ ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከምዘየቋርጽን ዝንበ ጽሑፍ’ዩ። እንተወሓደ ግና “ጎሓፍኩምን ሽታኹምን ኣጽርዩ። ንሶም ከኣ ናታቶም ጎሓፍን ሽታን ከጽርዩ” ‘ዩ እቲ መልእኽቲ። ካብዚ ኣብ ቫንቲምልያ ፈቐድኡ ዝተዛሕዝሐ ርስሓት ዝፈጠሮ ሽታ፣ ንላዕሊ ሽታ ቲፋኒ ክዕብልኸኒ ኢሉ። ክርሕቕ ወሰነኩ።

     ሽታ ገዛእ ርእሰይ ይሕሸኒ። ኣብ ኮለልን ጸሓይን ንዝወዓለት ነብሰይ፣ ረሃጻ እናሸተትኩ። ብርግጽ ሽታ ነብሰይ ይሕሸኒ ዋላ’ውን ሽታ ረሃጽን ድኻምን እንተኾነ።

     ሳንጣይ ኣልዒለ ናብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ስደተኛታት መግቢ ብናጻ ዝዕንገልሉ፣ ትካል ግብረ ሰናይ ካሪታስ ነቐልኩ።

ዕባይ ኣኽርያ
ካብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0