ቱርኪ ኣብ ጅቡቲ ዲጋ ትሃንጽ

ቱርኪ ኣብ ጅቡቲ ዲጋ ትሃንጽ

Radio Erena: 19 October 2018

Djibouti Turkey Dam

መንግስቲ ቱርኪ፣ ንጅቡቲ ብሓገዝ ዲጋ ይሃንጸላ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍርቂ ዕማሙ ተሳሊጡ ከምዘሎ ዝገለጾ ዲጋ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዝስተ ማይን ሕርሻን ዝህልዎ ኣገልግሎታት፣ ንከተማ ጅቡቲ ካብ ከንጸላልዋ ካብ ዝጸንሐ ናይ ወሓዚ ዕልቕልቕ’ውን ዘናግፍ’ዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብ 2019 ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዲጋ ‘ዓምቦሊ’፣ ንዝምድና ቱርኪን ጅቡቲን ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ከደይቦ ዘለዎ እምነት ገሊጹ ሚኒስየር ሕርሻን ምግራብን ቱርኪ በኪር ፓክደሚርሊ።

ጅቡትን ቱርኪን ዝምድንአን ንምስፍሑ ኣብ 2014 ስምምዕ እኳ እንተኸተማ፣ ድሒሩ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረን ቀጠርን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ነቲ ርክብ ኣዛሕቲልዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ቱርኪ ጸግዒ ቀጠር ከምዝሓዘት ክትግለጽ እንከላ፣ ጅቡቲ ድማ ምስ ስዑዲ ዓረብ’ያ ወጊና።

ቱርኪ፣ ብዘይካ ኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ሱዳን’ውን፣ ኣብ ወፍርን ውትህድርናን ዘተኮረ ሰፋሕቲ መደባት ከምዘለዋ ይጠቐስ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0