ቱርኪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበረቶ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስግኣት፣ ኤምባሲኣ ናብ ኬንያ ከተግዕዝ ተገዲዳ

Radio Erena: 23 January 2022

ቱርኪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበረቶ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ስግኣት፣ ኤምባሲኣ ናብ ኬንያ ከተግዕዝ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ዘካይደለን ዘሎ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ካብ ቱርኪ ዝተዘዝኣ ምዃነን ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኤምባሲኡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከውጽእ ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቤት ጽሕፈት መጥቃዕቲ ክካየድ ምዃኑ ዝሕብር ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት ምስ በጽሖ እዩ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ወሲዱ።

ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ሚእቲ ሜትሮ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ፣ ዝተራቐቐ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ከምዝተረኽበ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

እንታይ ዓይነት ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ከምዝረኸበ ግና ብንጹር ኣይገለጸን።

መራሕቲ ቱርክን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝገበሩዎ ስምምዕ ምትሕግጋስ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፣ ኢትዮጵያ ካብ ዝገዝኣተን TB2 ዝተባህላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ እተን ሽዱሽተ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተዋፊረን ምህላወን ካብ ኣህጉራውያን ትካላት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጉዳእቲ ድሕሪ ምውራዱ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ቁጠዐኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ፕረዚደንት ቱርኪ ብኣንጻሩ፣ በቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ስምምዕ ሕጉስ ምዃኑን፣ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክሸይጥ ቅሩብ ምህላዉን ኣብ ዋዕላ ‘ንግዲ ቱርኪን ኣፍሪቃን’ ምግላጹ ይዝከር።

ነዘን ሰብ ኣልቦ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ዘፍሪ ‘ባይካር’ ዝተባህለ ትካል፣ ብሰብኣይ ጓሉ ንፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን ዝውነን ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0