ቱርኪ፣ 12 ድሩዓት መኪና ንሰራዊት ሶማል ብሓገዝ ሂባ

Radio Erena: 31 August 2020

ቱርኪ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንምሕያል 12 ድሩዓት መካይን ብሓገዝ ሂባ።

ቱርኪ ንሶማል እትገብሮ ደገፍ ክቕጽል ምዃኑ ዘረጋገጸ ኣብ ሞቛድሾ ዝመደበሩ ኣምባሳደር ቱርኪ፣ እተን ድሩዓት፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምህዳን ኣብ ዝግበር ስርሒት ልዑል ኣበርክቶ ክህልወን ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እተን ድሩዓት ንመንግስቲ ሶማል ኣብ ዝተረከባሉ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል ሓሰን ዓሊ መሓመድን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዖዳዋ ዮሱፍ ራገን ተረኺቦም።

ቱርኪ፣ ብዘይካ’ቲ እትበርክቶ ዘላ ወትሃደራዊ ንዋት፣ ኣብ ሞቛድሾ ወትሃደራዊ መዓስከር ብምኽፋት፣ ሓደ ሲሶ ሰራዊት መንግስቲ ንምስልጣን ትሰርሕ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት፣ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ባይቶ ጸጥታ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ካብ ሎሚ 31 ነሓሰ ኣትሒዙ ንተወሳኺ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝጸንሕ ተልእኾኡ ተናዊሑ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ምሕያል ትካላት መንግስቲ ብዝልዓለ ክነጥፍ ምሉእ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ’ዩ ረኺቡ።
===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0