ቱርኪ፣ ናብ ሊብያ ሰራዊት ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 06 January 2020

ቱርኪ፣ ናብ ሊብያ ሰራዊት ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።

መንግስቲ እታ ሃገር፣ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ንዝረኸበ መንግስቲ ሊብያ ንምድጋፍ፣ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ክዋፍር ንዘቕረቦ እማመ፣ ዝበዝሐ ናይ ደገፍ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ምርካቡ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ከተማ ቤንቓዚ ዝመደበሩ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ፣ ብናይ ሚሊሻታት ልፍንቲ ዝቖመ ወትሃደራዊ ሓይሊ፣ ላዕለዋይ ኢዱ ብምሓዝ ንዝበዝሐ ኣገዳሲ ከባቢታት እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ኣብ ጣራብሎስ ዝመደበሩ፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ መንግስቲ ሊብያ፣ ኣንጻር ሓፍታር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት፣ ደገፍ ሓያሎ ሃገራት ይሓትት እኳ እንተሎ፣ እወታዊ ግብር አመልሲ ኣይረኸበን።

ሓያሎ ሃገራት፣ በብረብሐአን፣ ገሊኤን ንጀነራል ሓፍታር ገሊኤን ድማ ንመንግስቲ ሊብያ’የን ዝድግፋ ዘለዋ።

ቱርኪ፣ ነቲ መንግስቲ ንምድጋፍ ብወግዒ ሰራዊታ ናብ ሊብያ እተዋፍር ሃገር ክትከውን’ያ።

ጎረባብቲ ሊብያ ዝኾና ሱዳንን ግብጽን፣ በቲ ሓደ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ዘለወን ኣጠማምታ፣ በቲ ካልእ ድማ ኣብ ቱርኪ ዘለወን ተጋራጫዊ መርገጺታት፣ ነቲ ዞባ ተወሳኺ ምፍጣጥ ክውስኸሉ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

ቱርኪ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ እዋና ወትህደራዊ ሓይላ ዘንበረትሉ ሃገር ሶማል ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ሱዳን፣ ወደብ ስዋኪን’ውን፣ ብሓገዝ ቀጠር፣ መዓስከር ናይ ምቛም ውጥን ኔሩዋ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0